Skip to main content
Skip to main content.

ዝቐለሉ ኣገባባት መረጋገጺ

ምስ ሞትካ ንብረትካ ምስግጋርን ንእርጋንካ ብኸመይ መደብ ከም እተውጽእን

ሓበሬታን ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታትን (Frequently Asked Questions, FAQs)

እቲ ንብረት ትሕቲ ገለ መጠን ዝግመት ኣብ ዝኾነሉ (ካብ $20,000 ክሳብ $150,000 ብመሰረት እቲ ኩነታትን ዓይነት ንብረትን) ካሊፎርንያ “ዝቐለሉ ኣገባባት” ኣብ ምስግጋር ንብረት ኣለዎ።

ናይ ሓባር ዋኒን እንታይ እዩ፧

ናይ ሓባር ዋኒን ሓደ ኣገባብ ክልተ ወይ ልዕሊኡ ሰባት ብማዕረ ብጺሒት ንብረት ብምውናን ከምውጺኢቱ እቲ ሓደ ካብቶም ናይ ሓባር ወናኒ ምስዝመውት እቲ ንብረት ናብቲ ብህይወት ዘሎ ናይ ሓባር ወናኒ/ወነንቲ ናብ ኣጻራዪ ለበዋ/ውዕል ቤት ፍርዲ ብዘይ ምኻድ ይሰጋገር።

ናይ ሓባር ዋኒን ናይ ግብሪ ጠለባት ኣሎዎ ድዩ፧

እወ እቲ ናይ ሓባር ወናኒ ምስዝመውት፡ እቲ ንብረት ኣብቲ ናቱ ወይ ናታ ቀረጽ ዝኽፈሎ ንብረት ይጠቓለል። ቅድሚ ምእታው ንብረት ናብቲ ናይ ሓባር ዋኒን ወይ ምውዳእ እቲ ናይ ሓባር ዋኒን ምስ ጠበቓ ተዘራረብ።

ኣነ ብኸመይ ናይ ሓባር ዋኒን ክፈጥር ይኽእል፧

ነዓኻ ዝተጻሕፈ ሰነድ ክህልወካ ይግባእ ከም ውዕል ሪም/ዋንነት ናይቲ ቀዋሚ ንብረት ወይ መሰል ዋንነት ንብረት ናይ ማኪና፡ እቲ ንብረት ኣብ ናይ ሓባር ዋኒን ምስ ኣስማት ናይቶም ወነንቲ ብምስናይ ከምዝኣተወ ዝገልጽ እዩ።

ሰባት ንኸመይ ዓይነት ንብረት’ዮም ናብ ናይ ሓባር ዋኒን ዘእትውዎም፧

እቶም ብሓባር ዝውነኑ ዝያዳ ልሙዳት ንብረታት ከም ቀዋሚ ንብረት (መሬት ወይ ህጻታት)፡ ናይ ባንኪ ሕሳባት፡ ብርክታትን ልቓሓትን ከምኡ'ውን ኣውቶሞቢላትን እዮም።

ኣነ ነቲ መሰል ዋንነት ንብረት ናይቲ ቀዋሚ ንብረት ድሕሪ ሞት እቲ ካልእ ወናኒ ብኸመይ ክቕይሮ ይኽእል፧

ናብ ቤት ፍርዲ ክትከይድ ኣይድልየካን እዩ። እንተኾነ ግን፡ የድልዩኻ እዮም፥

  • ዝተረጋገጸ ቅዳሕ ወረቐት ምስክርነት ሞት ናይቲ ዝሞተ ናይ ሓባሪ ወናኒ
  • ብማሕላ ዝረጋገጽን ከምጭብጢ ድማ ዝዝውተር ዝተጻሕፈ ቃል ምስክርነት ብ “ዝኾነ ሰብ ዘለዎ ኣፍልጦ ናይቶም ሓቅታት” ዝክተም

ንስኻ ነቲ መሰል ዋንነት በቲ “እቲ ብማሕላ ዝረጋገጽን ከምጭብጢ ድማ ዝዝውተር ዝተጻሕፈ ቃል ሞት ናይ ሓባር ወናኒ” ዝበሃል ቅጥዒ ተጠቂምካ ክትቅይሮ ትኽእል ኢኻ። [ነቲ መርኣዪ ናይቲ “እቲ ብማሕላ ዝረጋገጽን ከምጭብጢ ድማ ዝዝውተር ዝተጻሕፈ ቃል ምስክርነት” ኣብ ታሕቲ ተመልከት]።

ናይ ግብሪ ምኽፋል ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ንስኻ ቅድሚ ነቲ “እቲ ብማሕላ ዝረጋገጽን ከምጭብጢ ድማ ዝዝውተር ዝተጻሕፈ ቃል ምስክርነት” ምምዝጋብካ ንጠበቓ ኣዘራርብ።

ኣነ ነቲ “እቲ ብማሕላ ዝረጋገጽን ከምጭብጢ ድማ ዝዝውተር ዝተጻሕፈ ቃል ምስክርነት” ብኸመይ ከዳልዎ ይኽእል፧

ንስኻ ነዚ መርኣዪ ቅጥዒ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። እዚ ወግዓዊ ቅጥዒ ኣይኮነን፡ ግን ንዝበዝሑ ጉዳይት ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። 

(መርኣዪ ቅጥዒ) “እቲ ብማሕላ ዝረጋገጽን ከምጭብጢ ድማ ዝዝውተር ዝተጻሕፈ ቃል ምስክርነት ናይ ዝሞተ ናይ ሓባር ወናኒ” ሃገረ ካሊፎርኒያ ግዝኣት ALAMEDA ኣነ፡ [ስም ናይቲ “እቲ ብማሕላ ዝረጋገጽን ከምጭብጢ ድማ ዝዝውተር ዝተጻሕፈ ቃል ምስክርነት ናይ ሓባር ወናኒ” ] ብቁኑዕ ኣገባብ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል መሓለ ናተይ ዕድመ 18 ወይ ልዕሊኡ እዩ። እቲ ኣብቲ ቅዳሕ መረጋገጺ ዝተገልጸ መዋቲ ምስቲ ምስክርነት ሞት ሓደ ሰብ ምዃኑ ብ [ስም እቲ ኣብዚ ዝሞተ ሰብ]፡ ከም ሓደ ኣካል ናይቶም ጉጅለታት ኣብቲ ውዕል ሪም ዋንነት ዕለት ዘለዎ [ዕለት] ትግባረ ሕጋዊ ለበዋ ብ[ስም ናይቲ ብሕጋዊ መንገዲ ፍቓድ ዝህብ] ናብ [ስም ሞዋቲ] ን [ስም እቲ ብህይወት ዘሎ ናይ ሓባር ወናኒ] ከም ናይ ሓባር ወነንቲ፡ ኣብ [ዕለት] ዝተመዝገበ፡ ኣብ [ ንኣብነት መጽሓፍ___ገጽ ___ ] ናይቲ ወግዓዊ መዛግብቲ ግዝኣት ALAMEDA፡ ካሊፎርኒያ፡ ነቲ ኣብታ[ከተማ] ዝተደኮነ ንብረት ዝሽፍን፡ ግዝኣት ኣላመዳ፡ ካሊፎርያ፡ ከምዚ ዝስዕብ ይግለጽ: [ሕጋዊ መግለጺ ኣቕርብ] ዝተዋህቦ ዕለት:_______ [ክታም] _____ ____ [ዝተጻሕፈ ስም] ____ እቲ ብማሕላ ዝረጋገጽን ከምጭብጢ ድማ ዝዝውተር ዝተጻሕፈ ቃል ኣብ [ዕለት]ኣብ ቅድመይ ዝተመዝገብን ዝመሓለ ____ [ክታም] ____ ___ [ዝተጻሕፈ ስም] ___ [ማሕተም] ህዝባዊ ሕጋዊ ሳምዕ ንሃገረ ካሊፎርኒያ

ዝያዳ ብዛዕባ ሕጊ እዚ ዛዕባ ከተንብብ እንተደሊኻ፡ ነዚ ዝስዕብ ተመልኸት መረጋገጺ ወረቐት ኮድ ክፍሊ 210-212

ኣነ ነቲ “እቲ ብማሕላ ዝረጋገጽን ከምጭብጢ ድማ ዝዝውተር ዝተጻሕፈ ቃል ምስክርነት” ብኸመይ ክምዝግቦ ይኽእል፧

ቅዳሕ መረጋገጺ ወረቐት እቲ ምስክርነት ሞት ናይቲ ዝሞተ ናይ ሓባር ወናኒን ናትካ “እቲ ብማሕላ ዝረጋገጽን ከምጭብጢ ድማ ዝዝውተር ዝተጻሕፈ ቃል ምስክርነት”ን ናብ ቤት ጽሕፈት መዝገብቲ እዛ ሃገር ናብቲ ቆዋሚ ንብረት ዝርከብሉ ቦታ ውሰዶ። ኣነ ነቲ ኣብ ናይ ሓባር ዋንነት ተታሒዙ ዝጸነሐ ባንኪ ሕሳባት ብኸመይ ክሕዞ ኣሎኒ፧ ኣብ ዝበዝሐ ጉዳያት፡ ንስኻ ነቲ ስም እቲ ዝሞተ ካብቲ ሕሳባት እዚ ሰነዳት ናብቲ ባንኪ ብምውሳድ ክትኣልዮ ትኽእል ኢኻ፡

  • ቅዳሕ መረጋገጺ ወረቐት ምስክርነት ሞት ናይቲ ዝሞተ ናይ ሓባር ወናኒ ከምኡ’ውን
  • እቲ ዝተኸፍተ ቸክ ናይ ሕሳብ ናይቲ ተንቀሳቓሶ ሕሳብ ወይ
  • ደብተር ሕሳብ ናይቲ ዉህሉል ሕሳብ
ኣነ ነቶም ኣብ ናይ ሓባር ዋንነት ተታሒዞም ዝጸነሑ ተሽከርከርቲ ብኸመይ ኽሕዞም ኣሎኒ፧

እቶም ሃገራዊ ኣውቶሞቢል ክለብ ካሊፎርኒያን ማሕበር ኣውቶሞቢል ሃገረ ካሊፎርኒያን (Automobile Association, AA) ምስክርነት ወረቐት ናይ ዋንነት ክትወስድን ዳግም መመዝገቢ ካርድ ከትውጽእን ክሕግዙኻ እዮም።

እቲ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ሰነዳት ናብቲ ነዓኻ ዝቀርበካ ቤት ጽሕፈት ክለብ ውሰዶ። እቲ ኣድራሻ ኣብ መዝገብ ቴሌፎንካ ክትረኽቦ ኢኻ። ንሳቶም ግዚያዊ ምስክርነት ወረቐት ዋንነት ክህቡኻ እዮም ከምኡ’ውን ናትካ ሰነዳት ናብቲ ክፍሊ ሞተር ተሽከርከርቲ (Department of Motor Vehicles, DMV) ንውሕስነት መድሕን ስደድ።

  • እቲ ምስክር ወረቐት ዋንነት በቲ ብህይወት ዘሎ ወናኒ ይፍረመሉ።
  • እቲ መመዝገቢ ካርዲ
  • እቲ ምስክርነት ምእዛዝ ምስ ሕጊ ምቁጽጻር ብከላ-ትከግመ (እቲ መዋቲ ናይ ሓባር ወናኒ ኣባሓጎ፡ ወላዲ፡ ሓው/ሓፍቲ፡ ውሉድ፡ ወዲ ጓል/ወዲ፡ መጻምድቲ ናይቲ ብህይወት ዘሎ ናይ ሓባር ወናኒ እንተዘይኮይኑ)  ተሽከርካሪ ኮድ ክፍሊ 4000.1(d) (2) ተመልከት ከምኡ'ውን
  • ቅዳሕ መረጋገጺ ወረቐት ምስክርነት ሞት ናይቲ ዝሞተ ናይ ሓባር ወናኒ
ኣነ ነቲ ኣብ ናይ ሓባር ዋንነት ተታሒዙ ዝጽነሐ ሰነድ ዋንነት ብኸመይ ክሕዞ ይኽእል፧ ነዞም ዝስዕቡ ሰነዳት ናብቲ ወኪል ኣሰጋጋሪ ኣብቲ ፋይናንሳዊ ትካል ውሰዶ ወይ ልኣኮ፡
  • ቅዳሕ መረጋገጺ ወረቐት ምስክርነት ሞት ናይቲ ዝሞተ ናይ ሓባር ወናኒ፡ ከምኡ’ውን
  • እቲ ቀዳማይ ምስክር ወረቐት ርእሰማል (ነቲ መዋቲ ናይ ሓባር ወናኒ ሓደ እንተኔርዎ)።

 ናይ ግብሪ ሳዕቤናት ክህሉ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ኣቐዲምካ ነቲ ጠበቓ ተዛረቦ።

ቆዋምን ውልቃውን ዋንነት ናይቲ መዋቲ ሰብ $20,000 ወይ ትሕቲኡ ዝግመት እንተኾይኑ፡ እቲ መጻምድቲ ወይ እቶም ትሕቲ ዕድመ ቖልዑ ነቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ንብረት “ንጎኒ ክገድፎ” ክሓቱ ይኽእሉ እዮም። እዚ ካብቲ ምሉእ ሕጋዊ ኣገባብ ምርግጋጽ ለበዋ ኣዝዩ ዝቐለለ እዩ።

ንስኻ ቤት ፍርዲ ነቲ ንብረት ንጎኒ ክገድፎ እንተደሊኻ፡ ንስኻ ወግዓዊ ሕቶ ጥርዓን ትእዛዝ ናይ እቲ ንብረት እቲ መዋቲ ንጎኒ ክግደፍ ከምዘለዎ በዚ ስዒቡ ዝተገልጽ ክትምስርት ትኽእል ኢኻ ኣብ መረጋገጺ ወረቐት ኮድ ክፍሊ 6602

ዋጋ እቲ ንብረት ንኽጽብጸብ ኩሉ እቲ ንብረት ከጠቓልሎ የድልየኒ ድዩ፧

ንስኻ ነቲ ኣብ ናይ ሓባር ዋኒን ዝተታሕዘ ንብረት፡ ናይ ብዙሓት-ኣካላት ሕሳባት፡ ኣብ-ግዜ ሞት-ዝኽፈል ሕሳባት ከተጠቓልሎ የብልካን። እንተኾነ፡ ንስኻ ነቲ ብጺሒት ዝኾነ ኮማዊ ንብረት ናይቲ መዋቲ ከተጠቓልሎ ይግባእ።

ነቲ ናይ መዋቲ ዕዳ መን’ዩ ዝኸፍሎ፧

እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ንብረት ንጎኒ እንተገዲፍዎ፡ እቲ ብህይወት ዘሎ መጻምድቲ ወይ ቖልዑ ነቲ ናይቲ መዋቲ ዘይትኸፍለ ዕዳ ክሳብ ዋጋ እቲ ንብረት ክኸፍሉ ኣለዎም፡ ዝጎደሎ ትሕጃን ደንበ እንዳቦን ወይ ካልእ ካብ ቀረጽ ነጻ ዝተባህለ ንብረት።

ንስኻ እቲ ንብረት እንተወሲድካዮ፡ እቲ ኣለቃሓይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቤት ፍርዳዊ ስጉምቲ እንተዘይወሲዱንስኻ ብዕዳ ናይቲ መዋቲ ንሓደ ዓመት ተሓታቲ ኢኻ።

ናይ ግብሪ ሳዕቤናት ክህሉ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ኣቐዲምካ ነቲ ጠበቓ ተዛረቦ።

ዝያዳ ብዛዕባ ሕጊ እዚ ዛዕባ ከተንብብ እንተደሊኻ፡ ነዚ ዝስዕብ ተመልኸት  መረጋገጺ ወረቐት ኮድ ክፍሊ 6600

ንስኻ ነቲ ውልቃዊ ንብረት ናይቲ መዋቲ ሰብ ትእክቦን ናብቶም ወረስቲ ትኸፋፍሎን ወይ ወግዓዊ ጽሑፋዊ መፍለጢ ብምጥቃም ናብቶም (ኣብቲ ለበዋ ዝተጠቅሱ ተረባሕቲ)። እዚ ኣገባብ ክፍሊ 13100 ኣገባብ ይበሃል። እዚ ኣገባብ ገለ ሕግታት ኣለዎ።

  • ንስኻ ነዚ ንምምቕራሕ ቀወምቲ ንብረት (መሬት ወይ ህንጻታት) ክትጥቀመሉ ኣይትኽእል ኢኻ።
  • ንስኻ ነዚ ኣብቶም ብቐጥታ ናብ መጻምዲቲ ክሰጋገሩ ዝኽእሉ ንብረታት ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ።
  • ንስኻ ቅድሚ ምእካብን ምክፍፋልን ንብረት መዋቲ፡ ን40 መዓልታት ድሕሪ ሞት መዋቲ ክትጽበ ይግባእ።
  • ንስኻ ጽሑፋዊ ወግዓዊ መፍለጢ ነቲ ነዚ ንብረት ዝወሰዶ ወይ ኣብ ሓላፍነት ምስግጋር እዚ ንብረት ዘሎ ሰብ ወይ ትካል ክትህቦ ይግባእ።

ዝያዳ ብዛዕባ ሕጊ እዚ ዛዕባ ከተንብብ እንተደሊኻ፡ ነዚ ዝስዕብ ተመልኸት መረጋገጺ ወረቐት ኮድ ክፍሊ 13100

እቲ ሰብ ብዘይ ለበዋ እተሞተ’ኸ፧

እቲ መዋቲ ብዘይ ለበዋ እንተሞይቱ፡እቶም እንኮ ኣብ ምእካብ ናቱ ወይ ናታ ንብረት መሰል ዘለዎም ሰባት እዞም ዝስዕቡ እዮም፦

  • ወረስቲ፡
  • ተጣባቒ ወይ መጒዚ/መጒዚት ናይቲ ንብረት ዝኾኑ ወረስቲ፡
  • መጒዚ ናይቲ ገንዘብ ሕድሪ በቲ መዋቲ ዝተመስረተ (እምነት ኣብ መንጎ ህሉዋት ሰባት) ንረብሓታት ናይቶም ወረስቲ ወይ
  • ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዝተፈቕደሉ ዝኾነ ካልእ ቀጺሉ ቦታ ዝሕዝ ወራሲ።

እቲ መዋቲ ብዘይ ለበዋ እንተሞይቱ፡ እቶም ኣብ ትሕቲ እቲ ለበዋ ተረባሕቲ ዝኾኑ ጥራይ ክእክቡ ይምዘዙ።

 

ነቲ ቀዋሚ ንብረት ንምስግጋር፡ነቲ ፍርዳዊ ቤት ምኽሪ ቅጥዒ DE-305 “እቲ ብማሕላ ዝረጋገጽን ከምጭብጢ ድማ ዝዝውተር ዝተጻሕፈ ቃል ምስክርነት” ብዝምልከት፡ ውሑድ ዝዋግኡ ($20,000 ወይ ትሕቲኡ) ቀዋሚ ንብረት ድሕሪ ምምላእ ናቱ ኣብ ወጻኢ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ወግዓዊ ሳምዕ ፈሪምካ ኣእትዎ። እቲ ቅጥዒ ንዝርዝራዊ ጸብጻብን ግምገማን መግለጽን ናይቲ ቀዋሚ ንብረት ክሓተካ እዩ።

ነዚ ኣገባብ ገለ ሕግታት ኣለዎ፡
  • እዚ ግን ንናይ ሓባር ዋንነት ኣይኮነን። (ኣብ ላዕሊ ብዛዕባ ናይ ሓባር ዋንነት ተመልከት)።
  • ነዚ ዝኾነ ወራሲ ወይ ተረባሒ ክጥቀመሉ ይኽእል እዩ።
  • እቲ ዋጋ ውልቃዊ ንብረት ናይቲ መዋቲ ዘገድስ ኣይኮነን።
  • ንስኻ ናይ ገዛእ ርእስኻ ቅጥዒ ምስቲ ጸሓፋይ ናይቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክትስንድ ይግባእ። ንስኻ ክፍሊት ክትከፍል የድልየካ እዩ። (ዝርዝር ክፍሊት ናይ “መሰነዲ ‘እቲ ብማሕላ ዝረጋገጽን ከምጭብጢ ድማ ዝዝውተር ዝተጻሕፈ ቃል ምስክርነት’ ኣብ ትሕቲ መረጋገጺ ወረቐት ኮድ 13200" ውጥን መረጋገጺ ወረቐት ክፍሊት)።
  • እቲ መዋቲ ኣብ እዋን ሞቱ መጒዚ/መጒዚት ወይ ተጣባቒ እንተኔርዎ፡ ንስኻ ነቲ ቅዳሕ ናይቲ ዝተመልአ ቅጥዒ ናብኣቶም ክትልእኽ ይግባእ።
  • እዋናዊ ወይ ናይ ዝሓለፈ ሕጋዊ ኣገባብ መረጋገጺ ወረቐት ክህሉ ይግባእ።

ወይ ውሳኔ ዝጽበ ሕጋዊ ኣገባብ መረጋገጺ ወረቐት እንተኣሎ፡

  • እቲ ውልቃዊ ተወካሊ ነዚ ኣገባብ ብጽሑፍ ውዕል ስምምዕ ይገብር።
  • እቲ መዋቲ ካብ ዝመውት ብውሕዱ 6 ኣዋርሕ ጌሩ ኣሎ።
  • ኩሉ እቲ ዘይተኸፍለ ዕዳ እቲ መዋቲ ትኸፊሉ እዩ።

ንስኻ ዓደግቲ ዝስሕብ መሰል ሪም ዋንነት ክህልወካ ትደሊ እንተዳኣ ኮይንካ (መሰል ሪም ዋንነት ካብ ዝኾነ ኣበር ወይ ምኽንያታዊ ዕዳ ናይቲ ኣቐዲሙ ነዚ መሰል ሪም ዋንነት ዝነበሮ ነጻ ዝኾነ) ናይቲ ንብረት ቅዳሕ ምስክርነት ወረቐት ናትካ ቅጥዒ ወግዓዊ ደገፍ ናብቲ ግዝኣት መዝጋቢ እቲ ቀዋሚ ንብረት ዝርኸበሉ ግዝኣት ወሰድ።

ዝያዳ ብዛዕባ ሕጊ እዚ ዛዕባ ከተንብብ እንተደሊኻ፡ ነዚ ዝስዕብ ተመልኸት መረጋገጺ ወረቐት ኮድ ክፍሊ 13200 

እወ። ንስኻ እቲ ወራሲ ወይ ተረባሒ እንተኾይንካ፡ ንስኻ ነቲ ቤት ፍርዲ ናይ መሰል ሪም ዋንነት ምእላይ ትእዛዝ ክምስርት ክትሓቶ ትኽእል ኢኻ። እዚ ንምስግጋር ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።

  • ቀዋሚ ንብረት ጥራይ ወይ
  • ቀዋምን ውልቃውን ንብረት

ንስኻ ነዚ ኣብ ውልቃዊ ንብረት ጥራይ ክትግብሮ ኣይትኽእልን ኢኻ። ውልቃዊ ንብረት ጥራይ ከተሰጋግር፡ ነቲ “እቲ ብማሕላ ዝረጋገጽን ከምጭብጢ ድማ ዝዝውተር ዝተጻሕፈ ቃል ምስክርነት” ወይ ጽሑፋዊ ወግዓዊ መፍለጢ ተጠቀም።

ካብ ካሊፎርኒያ ወጻኢ ዝርከብ ንብረት፡ ኣብ ናይ ሓባር ዋንነት ዝተታሕዘ፡ክስረዝ ዝኽእል ህያው ገንዘብ ሕድሪ፡ኣብ-እዋን ሞት-ዝኽፈል፡ምስቲ ብህይወት ዘሎ መጻምድቲ ኣብ ትሕቲ ጥርዓን ንብረት ሰብ ቃል ኪዳን ዝተሰጋገረ፡ ወይ ካልእ ከምቲ ኣብዚ ዝስዕብ ኮድ ዝተገልጸ ከተእተዎ የብልካን። መረጋገጺ ወረቐት ኮድ ክፍሊ 13151

ገለ ሕግታት ኣለዉ፥

  • ኩሎም ወረስቲ ወይ ተረባሕቲ ናይቲ ንብረት መዋቲ ምሳኻ ኣብቲ ናትካ ናብቲ ቤት ፍርዲ ዝቐርብ ሕቶ እቲ ጥርዓን ብምቕራብ) ክጽንበሩ ይግባእ።
  • እዋናዊ ወይ ናይ ዝሓለፈ ሕጋዊ ኣገባብ መረጋገጺ ወረቐት ክህሉ ይግባእ።

 ወይ ውሳኔ ዝጽበ ሕጋዊ ኣገባብ መረጋገጺ ወረቐት እንተኣሎ፡

  • እቲ ውልቃዊ ተወካሊ ነዚ ኣገባብ ብጽሑፍ ውዕል ስምምዕ ክገብር ይግባእ።
  • እቲ መዋቲ ካብ ዝመውት ብውሕዱ 6 ኣዋርሕ ክገብር ይግባእ።
  • ኩሉ እቲ ዘይተኸፍለ ዕዳ እቲ መዋቲ ትኸፊሉ ክህሉ ይግባእ።

ምምላእ ቅጥዒ DE-310ጥርዓን ንውሳኔ ውርሻ እቲ ቀዋሚ ንብረት። ብተወሳኺ ንስኻ ነዚ ቅጥዒ ኣብ ምእላይ መሰል ሪም ዋንነት ናይቲ ውልቃውን ቀዋምን ንብረት ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ።

ነቲ ቅጥዒ ኣብቲ ቤት መዝገብ እቲ ቤት ፍርዲ ሰንዶ። እቲ ጸሓፊ ቤት መዝገብ ናይ ፍርዲ ዕለት ክምድበልካ እዩ። ንስኻ ነቲ ኣብ ሕጡበ ጽሑፍ 14 ዝተጠቅሰ ሰብ ፍርዲ ተዋሂብዎ ከምዝርከብ ክትምልከት ይግባእ። DE-310። ሓደ ሰብ ዕድመ 18 ወይ ልዕሊኡ ዝኾነ ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ዘይብሉ ነቲ ምልኽታ ከቕርብ ይግባእ። ትጥቀመሉ ቅጥዒ DE-120 ንመርትዖ እቲ ምልኽታ ከም ዝተዋህበ እዚ ዝተመልአ ቅጥዒ ምስ ዝኾኑ ካልኦት ሰነዳት ኣብዚ ዝስዕብ ኮድ ዝጥለቡ ሰንድ። DE-310.

ብተወሳኺ ንስኻ ክትመልኦ ዝግበኣኻ DE-315 ትእዛዝ ምውሳን ውርሻ እቲ ቀዋሚ ንብረት (ንብረት $150,000 ወይ ትሕቲኡ)፡ ከምኡ’ውን ነቲ ቤት ጽሕፈት ቤት መዝገብ ቅድሚ 5 መዓልታት ፍርዲ ሃብ።

እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ጥርዓት እንተኣጽዲቕዎ፡ እቲ ዳኛ ነቲ ትእዛዝ ክፍርመሉ፡ ኣብቲ ቤት መዝገብ ክስንዶ፡ ምስኡ ዝሳነ ቅዳሓት ከኣ ደጊሙ ነዓኻ ክህበካ እዩ።

ንስኻ ዓደግቲ ዝስሕብ መሰል ሪም ዋንነት ክህልወካ ትደሊ እንተዳኣ ኮይንካ (መሰል ሪም ዋንነት ካብ ዝኾነ ኣበር ወይ ምኽንያታዊ ዕዳ ናይቲ ኣቐዲሙ ነዚ መሰል ሪም ዋንነት ዝነበሮ ነጻ ዝኾነ) ናይቲ ናባኻ ብትእዛዝ ዝተሰጋገረ ቀዋሚ ንብረት፣ ቅዳሕ ምስክርነት ወረቐት ናትካ ቅጥዒ ወግዓዊ ደገፍ ናብቲ ግዝኣት መዝጋቢ እቲ ቀዋሚ ንብረት ዝርኸበሉ ግዝኣት ውሰድ።

ኣብ ትሕቲ እዚ ኣገባብ ንብረት እንተተቐቢልካ፡ ክሳብ እቲ ፍትሓዊ ኣብ ግዜ ሞት ዝተጸብጸበ ዋጋ ዕዳጋ ናይቲ ዝተቐብልካዮ ንብረት፣ ንስኻ ነቲ ዕዳ ናይቲ መዋቲ ተሓታቲ ኢኻ።

 

ጥርዓን ንብረት ሰብ ቃል ኪዳን ሓደ መንገዲ ብዘይ ምሉእ ሕጋዊ ኣገባብ መረጋገጺ ወረቐት ት ናብቲ ብህይወት ዘሎ  ወይ ከም መጻምዲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝተመዝገበ ምጻምዲ ምስግጋር ወይ ምጽዳቕ ንብረት እዩ። እዚ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ቤት ፍርዲ ብሓደ ፍርዲ ጥራይ ክፍጸም ዝኽእል እዩ። እቲ ንብረት መዋቲ ዝተሓላለኸ እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ጥርዓን ነቲ ሕቶ መስል ሪም ዋንነት ወይ ዋንነት ንብረት ክውስኖ ይኽእል እዩ።

ነቲ ጥርዓን ንብረት ሰብ ቃል ኪዳን ከመልክቶ ዘለዎ መን እዩ፧
  • እቲ ብህይወት ዘሎ መጻምዲ ወይ
  • እቲ ተወካሊ ናይቲ ብህይወት ዘሎ መጻምዲ ወይ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዝገበ ንብረት መጻምዲ (እቲ ብህይወት ዝነበረ መጻምዲ ብተወሳኺ ሕጂ እንተዳኣ ሞይቱ) ወይ
  • እቲ ተጣባቒ ናይቲ ብህይወት ዘሎ መጻምዲ ወይ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዝገበ ንብረት መጻምዲ ወይ
  • እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዝገበ መጻምዲ።
ኣነ ነቲ ጥርዓን ንብረት ሰብ ቃል ኪዳን ብኸመይ ከመልክት ይኽእል፧
  • ምምላእ እቲ ቅጥዒ DE-221 ስለምንታይ እቲ ንብረት ይግበኦ ወይ ናብቲ ብህይወት ዘሎ መጻምዲ ወይ ናብቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዝገበ መጻምዲ ክሰጋገር ዘልዎ? ብተወሳኺ ምዝርዛር እቲ ንብረት።
  • ነቲ ቅዳሕ ለበዋ መዋቲ ኣላግቦ (ለበዋ እንተኣሎ)
  • ቅዳሕ ናይቲ ስምምዕ ኣላግቦ (እቲ ዝርዝር ናይቲ ንብረት ከም ንብረት ኮም ኣብ ጽሑፋዊ ስምምዕ ኣብ መንጎ መዋትን ብህይወት ዘሎ መጻምድቲ ዝተመስረት ምስዝኸውን)።

 

ቤት ፍርዳዊ ፍርዲ ክህሉ ድዩ፧

እወ ናትካ ቅጥዒ ምስ ሰነድኻ፡እቲ ቤት መዝገብ ዕለተ ፍርድኻ ክነግረካ እዩ። ኣብ እቲ ፍርዲ፡ እቲ ዳኛ ነቲ ጥርዓንካ ንኽቕበሎ ወይ ክነጽጎ ክውስን እዩ።

ኣነ ቅድሚ እቲ ፍርዲ ዝኾነ ክገብር ኣሎኒ ድዩ፧

እወ ብውሕዱ ቅድሚ 15 መዓልታት ናይቲ ፍርዲ፡ ንስኻ ነዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዉ ሰባት ነቲ ምልኽታ ናይ ፍርዲ (ደብዳቤ ብምልኣኽ ወይ ብኣካል) ክትህቦም ይግባእ።

  • እቲ ኣተግባሪ ለበዋ ወይ ኣማሓዳሪ እቲ ንብረት (እቲ መረጋገጺ ወረቐት ናይቲ ንብረት ኣብቲ ቤት ፍርዲ እንተተጀሚሩ)
  • ኩሎም ወረስትን ተረባሕትን ናይቲ ወዋቲ መጻምድቲ
  • ኩሎም ሰባት ኣብቲ ንብረት ተገዳስነት ዘለዎምን ፍሉይ ምልክታ ሓቲቶም ዝነበሩን( መረጋገጺ ወረቐት ኮድ 1250)።
  • እቲ ጠበቓ ሓፈሻዊ ካሊፎርንያ እቲ ጥርዓን ኣብቲ ናይቲ መዋቲ መጻምዲ ለበዋ ዝተመስረተ እንተደኣ ኮይኑ፡ ከምኡ’ውን እቲ ለበዋ ናይ ግብረሰናይ ውርሻ ዘጠቓልል እንተኾይኑ ወይ ፍሉጥ መጒዚ ተቀማጣይ ኣብ ካሊፎርኒያ ወይ ፍሉጥ ዘይኮነ ወራሲ ለበዋ ናይ ንብረት ወይ ተረባሕቲ ዘጠቓልል እንተኾይኑ።
ኣነ ትእዛዝ ንጥርዓን ንብረት ሰብ ቃል ኪዳን የድልየኒ ድዩ፧

እወ ብተወሳኺ ንስኻ ክትመልኦ ዝግበኣኻ DE-226ትእዛዝ ምውሳን ውርሻ እቲ ንብረት፡ ከምኡ’ውን ነቲ ቤት ጽሕፈት ቤት መዝገብ ቅድሚ 5 መዓልታት ፍርዲ ሃብ። ነዚ ቅጥዒ ምስቲ መዘኻኸሪ ወረቐት እቲ ዕለት ናይቲ ፍርዲ ከተታሓሕዞ ብትሕትና ንሓትት።

እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ጥርዓት እንተኣጽዲቕዎ፡ እቲ ዳኛ ነቲ ትእዛዝ ክፍርመሉ፡ ኣብቲ ቤት መዝገብ ክስንዶ ከምኡ'ውን ምስኡ ዝሳነ ቅዳሓት ከኣ ደጊሙ ነዓኻ ክህበካ እዩ።

እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ጥርዓንካ እንተኣጽዲቅዎ፡ እቲ ዳኛ ነቲ ትእዛዝ ክፍርመሉ እዩ፡ ኣብቲ ቤት መዝገብ ከምዝስነድ ክገብር ከምኡ’ውን ምስኡ ዝሳነ ቅዳሓት ከኣ ደጊሙ ነዓኻ ክህበካ እዩ።

ኣታዊታት ናይ ህይወት ኢንሹራንስ

ኩሉ እቲ ናይ ህይወት ኢንሹራንስ ፖሊሲታት ፍለጦ፡ ክርከብ እንተካኢሉ ንስኻ ነዚ ካብኣቶም ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ፡

  • እቲ ኩባንያ ኢንሹራንስ ወይ ኩባንያታት
  • ኩባንያታት ካርዲ ልቓሕ (ከም ኢንሹራንስ ንዕዳ ካርድ ልቓሕ)
  • ሕውነታዊ ውደባ ወይ ክለብ ኣባልነት
  • እቲ ኣስራሒ (ጉጅለኣዊ ህይወት ኢንሹራንስ)
  • እቲ ወተሃደራዊ

ቀጺሉ፡

  • ናይቲ ፖሊሲ ተረባሕቲ መን ምኳኖም ፍለጥ።
  • ነቶም ወኪል ወይ ደላላይ ኢንሹራንስ ርኸቦም።
  • ነቲ ኩባንያ ኢንሹራንስ ናይቲ መዋቲ ስም፡ዕለተ ሞት፡ቁጽሪ ፖሊሲ፡እቶም ተረባሕቲ መን ምዃኖም ኣማኽሮ።
  • ቅዳሕ መረጋገጺ ወረቐት ናይቲ ምስኽርነት ሞት ምስቲ ቅጥዒ ካሕሳ ናይቲ ኢንሹራንስ ኩባንያ ስደድ።
  • ነቲ ኩባንያ ኢንሹራንስ ንመርትዖ ቅጥዒ ካሕሳ ሕተቶ።
ናይ ጡረታ ረብሓታት

እቲ መጠን ረብሓ ፍለጥ። እቲ መሰል ረብሓታትን እቲ ምርጫ ክፍሊትን

ቅዳሕ መረጋገጺ ወረቐት ናይቲ ምስኽርነት ሞት ምስቲ ቅጥዒ ካሕሳ ናይቲ ኩባንያ ስደድ።

ብዛዕባ ምርጫታትካን እቲ ኣከፋፍላ ቀረጽን ንኽትመሃር ነቲ ኣማኻሪ ቀረጽ ተዛረቦ።

ገለ ኩባንያታት ነቶም ሰራሕተኛታትን ስድራቤታቶምን ነቲ ጡረታ ክርድእዎን/ረብሓታት ሰራሕተኛ ዝሕግዙ ክፍሊ ዓቅሚ ሰብ ኣለዎም።

ካልኦት ኩባንያታት ንስኻ ነቲ ናይ ባንኪ ወይ ናይቲ ትካል ሞጒዚ/መጒዚት ከተዘራርቦ ይጠልባ፡ ንናይ ህይወት ኢንሹራንስ ኩባንያ ወይ ኣማሓዳሪ ንግዳዊ ጡረታ።

Was this helpful?

This question is for testing whether or not you are a human visitor and to prevent automated spam submissions.