Skip to main content
Skip to main content.

ሕድሪታት

ምስግጋር ንብረት ኣብ ግዜ ሞትን፣ ንግዜ እርጋንካ ብኸመይ ውጥን ተውጽእን

ሓበሬታን ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታትን (Frequently Asked Questions, FAQs)

ኣብዚ ኽፋል እዚ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሓበሬታን መልስን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፥ 

ሕድሪ ክበሃል እንከሎ ሓደ ሰብ (ተወካሊ) ኣብ ክንዲ ካልእ ሰብ ንረብሓ ናይቲ ካልእ ሰብ (ተረባሒ) ዋንነት ንብረት ክሕዝ እንከሎ እዩ።

ሓደ ኣወካሊ (ወይ ውሃቢ ሕድሪ) ዝተባህለ ኣካል ሕድሪ ምስሪቱ ንብረት ኣብቲ ሕድሪ ከምዝካተት ይገብር።

ኣወካሊ፣ ተወካልን ተረባሕን በበይኖም ሰባት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ግናኸ ሓደ ሰብ ባዕሉ ኣወካሊ፣ ተወካልን ተረባሕን ክኸውን ይኽእል እዩ።

ንኣብነት ሓደ ሰብ ሕድሪ ብምፍጣር ኣብኡ ንብረት ብምእታው ርእሱ ወኪል ብምግባር ተረባሒ ድማ ባዕሉ ክኸውን ይኽእል። ኣብ ከምዚ ኩነታት ኣብ ሓደ ግዜ ባዕሉ ኣወካሊ፣ ተወካልን ተረባሕን ይኸውን።

ተወካሊ ሓደ ሰብ ወይ ሰባት ኮይኖም ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ውክልና ዘሎ ንብረት ሕጋዊ መሰል ዘለዎም እዮም። ናይ ሓደ ተወካሊ ሓላፍነት ናይቲ ኣብ ውክልና ዘሎ ንብረት ንጥቕሚ እቶም ተረባሕቲ ኢሉ በቲ እቲ ኣወካሊ ዝሓተቶ መንገዲ መሰረት ጌሩ ምምሕዳር እዩ።

ክሳዕ ምስ ሕጊ ናይ ካሊፎርንያ ዝጻረር ዘይኮነ ወይ'ውን ናይ ቤት ፍርዲ ውሳኔ ዝተፈልየ እንተ ዘይኮይኑ፣ ሓደ ተወካሊ ኩሉ እቲ ኣብ ናይ ውክልና ሰነድ ተዘርዚሩ ዘሎ ስልጣን ኣለዎ። ሓደ ተወካሊ ነቲ ኣብ ውክልና ዘሎ ንብረት ክእርንቦ፣ ክዕቅቦን ክሕልዎን ይግባእ።

እዚ ንኽኸውን እቲ ተወካሊ
  • ምኽንያታዊ ዝኾነ ጽገናታት ክገብር ይኽእል፣
  • ምውሓስ እቲ ንብረት፣
  • ምሻጥ ንብረት፣
  • ጥንቁቕ ወፍርታት ምክያድ፣
  • ዝተወሰኑ ናይ ምሕደራ ክፋልታትን ወጻኢታትን ምኽፋልን ከምኡ'ውን
  • ንተረባሒ ብመሰረት ናይ ውክልና ሰነድ ብጽሒት ምኽፋል።

ብዛዕባ ስልጣን ናይ ተወካሊ ዝምልከት ሕጊ ዝያዳ ንምንባብ፣ ኣብ ፕሮቤት ኮድ ክፋላት  16200-16203  ከምኡ'ውን  16220-16249 የንብቡ።

 

ሕጊ ሓደ ወኪል እዞም ዝስዕቡ ነገራት ክገብር ኣለዎ ይብል፣

  • ሕጋዊ ክሳዕ ዝኾነ እቲ ናይ ውክልና ሰነድ ዝእዝዞ ኩሉ የተግብር፣
  • ንተረባሒ ዝጠቕም ነገር ጥራይ የተግብር፣
  • ካብ ሓደ ተረባሒ ንኻልእ ተረባሒ ሓለፋ ኣይግበር፣
  • ምስ ተረባሕቲ ናይ ረብሓ ፍልልይ የወግድ
  • ክሳዕ ሕድሪ ዘየፍቀደሉ ናይ ሕድሪ ንብረት ወይ ናይ ተወካሊ ስልጣን ንናይ ውልቁ ረብሓ ብፍጹም ኣይጠቐም፣
  • ናይ ሕድሪ ንብረት ካብቲ ብኻልእ ኣካል ዝውነን ንብረት ክፍለ ኣለዎ፣
  • ባዕላቶም ክገብርዎ ንዝኽእሉ ነገር ናብ ካልኦት ኣየመሓላልፉን። እንድሕር ተወካሊ/ተወካሊት ናብ ካልእ ኣካል ከሰጋግርዎ ዘለዎም ዕማም ሃልዩ፣ እቲ ሰብ ብዝግባእ ዕማሙ ምፍጻሙ ይከታተሉ፣
  • ንምሕላው እቲ ሕድሪ ናይቲ ውክልና ንብረት ብሓልዮትን ብሜላን የውፍሮን የምሓድሮን፣
  • ከምኡ ምግባር ሕማቕ ሓሳብ ክሳዕ ዘይኮነ ወፍርታት ምብዛሕ፣
  • ብመሰረት ሕጊ ናይ ካሊፎርንያ ዝጠልቦ ንተረባሕቲ እዋናዊ ጸብጻብ ምቕራብ። ፕሮቤት ኮድ ክፋላት  16060 - 16064 ከምኡ'ውን  1060 -1664 ይመልከቱ))፣
  • ኣታዊ ብመሰረት ፕሮቤት ኮድ ክፋላት 16320 - 16375 የባጽሓዮ።

እቲ ኣወካሊ ኣብ ዝመኦተሉ ግዜ፣ ተወካሊ ተወሰኽቲ ግዴታታት ኣለዎ፣

ንወረስትን ተረባሕትን ምሕባር፣ እቲ ውክልና ድሕሪ ሞት ኣወካሊ ዘይስረዝ እንተ እንተኾይኑ፣ እቲ ተወካሊ ካብታ ወኪል ዝኾነላ ግዜ ወይ'ውን ካብታ ኣወካሊ ዝሞተላ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት፣ ብድሕሪኡ እንታይ የጋጥም ብዘየገድስ፣ ናይ ጽሑፍ ሓበሬታ ናብ ተረባሕቲን ናይቲ ሕድሪ ወረስትን የቕርብ። እቲ ምልክታ እዚ ሓበሬታታት ከካትት ይግባእ፣

  • ስም ኣወካልን ውክልና ዝተፈረመሉ ዕለትን፣
  • ስም፣ ኣድራሻን ቁጽሪ ተሌፎንን ናይ ነፍሲ ወከፍ ተወከልቲ ናይቲ ሕድሪ፣
  • ውክልና ብሕጂ ዝምሓደረሉ ቦታ ወይ ኣድራሻ፣
  • እቲ ናይ ሕድሪ ሰነድ ዝጠልቦ ዘበለ ኩሉ ሓበሬታ፣
  • ተረባሕቲ ቕዳሕ ናይ ሕድሪ ሰነድ ክሓቱ ይኽእሉ እዮም፣ ከምኡ'ውን
  • እቶም ተረባሕቲ ድማ ድሕሪ እቲ ምልክታ ሕጋዊ ስጉምቲ ብምውሳድ ብዛዕባ እቲ ናይ ሕድሪ ጉዳይ ከመልክቱ 120 መዓልታት ኣለዎም፣ ወይ'ውን ቕዳሕ ናይቲ ውክልንና ካብ ዝተላእከሎም ምዓልቲ ጀሚሮም 60 መዓልታት ኣለዎም።

ንዝያዳ ሓበሬታ ናይ ካሊፎርንያ  ፕሮቤት ኮድ ክፋል 16061.7 ይመልከቱ

ናብ ቤት-ጽሕፈት ኣማኻሪ ምምልካት፣ እቲ ናይ ውክልና ንብረት ኣብ ካሊፎርንያ ዝርከብ ቤት ዘካትት እንተኾይኑ ተወካሊ ነፍሲ ወከፍ ኣድራሻ ናይቲ መንበሪ ዝሓዘ ናይ ጽሑፍ ምልክታ ናብ ቤት ጽሕፈት ኣማኻሪ የቕርብ።

ንዝያዳ ሓበሬታ ናይ ካሊፎርንያ ና ይግብርን ቀረጽን ኮድ ክፋል  480(b) ይመልከቱ

ዝርዝርን ገምጋምን፣ ናይ ምዉት ኣወካሊ ንብረት ከምሓድር ብቤት ፍርዲ ዝተመዘ ኣካል እንተ ዘይሃልዩ፣ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ተወካሊ ካብ ዕለተ ሞት ኣወካሊ ጀሚሩ ናይ ኣወካሊ ኩሉ ሃብቲ ዝርዝርን ገምጋምን ይገብር (እቲ ንብረት ክፋል ናይ ሕድሪ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ)። እቲ ተወካሊ ናይ ፈደራልን መንግስታውን ናይ ግብሪ ሰነዳት ምቅራብ ዘድሊ እንተኾይኑ ንምርግጋጽ ከምዚ ይገብር። ኣንድሕር ዘድሊ ኮይኑ ተወካሊ ንሓድሽ ናይ ግብሪ መኽፈሊ ናይ መንነት ቁጽሪ ናብ ኣገልግሎት ኣታዊ ውሽጢ ሃገር የመልክት ከምኡ'ውን ዘይተኸፍለ ግብሪ ኣብ ውሽጢ 9 ወርሒ ድሕሪ ሞት ኣወካሊ ምኽፋሉ ከረጋግጽ ይግባእ።

እንድሕር ድኣ ኣወካሊ ባዕሉ ከም ተወካሊ ኮይኑ ይዋሳእ ኔሩ፡ እቲ ሓድሽ ወኪል (ወራስ ውክልና ዝብሃል) ውክልና ምርካቡ ክታም ከንብር ኣለዎ።

ናይ ሕድሪ መምርሒ ተኸተል፣ ተወካሊ ኩሉ እቲ ሕድሪ ዝጠልቦ ከተግብር ኣለዎ። ብዙሕ ግዜ፣ እቲ ወራስ ሕድሪ ናይቲ ኣወካሊ ናይ ስነስርዓት ቀብሪ ወጻኢታት፣ ክሽፍን ከምዘለዎ ይነግር እዩ፣ ናይ መዋቲ ዘይተኸፍሉ ዕዳታት (ናይ ሕክምና ወጻኢታትን ናይ ክረዲት ካርድ ክፋልትን ዝኣመሰሉ) ሸፊኑ ካብኡ ዝተረፈ ድማ ነቶም ተረባሕቲ ናይቲ ሕድሪ ከመቃርሖ ኣለዎ። 

ሓደሓደ ግዜ፣ ተረባሕቲ ዝበዝሐ ካብ ውርሻኦም ብመንገዲ ሕድሪ ኣቢሎም ኣብ መዓልታት ወይ ሳምንታት ክረኽብዎ ይኽእሉ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት እቲ ተወካሊ ነዞም ዝስዕቡ ንብረት ኣብ ምብጻሕ ክዱንጊ ይኽእል እዩ፣

  • ናይ ወናኒ ክፋልታትን ግብርን ንምኽፋል ንብረት ይሸጡ፡
  • ነቲ በቲ ውክልና ዝተጠልበ ብጽሒት ይጸብጽቦ ወይ
  • ኣብ ዳሕራይ ዕለት ዝኽፈል ዕዳ ኾነ ግብሪ እንተልዩ የረጋግጽ።

ገለ-ገለ ሕድሪታት እቲ ወኪል ነቲ ናይ ኣወካሊ ንብረት ንዝተወሰኑ ዓመታት ወይ'ውን ክሳዕ ሞት ወናኒ ክኸፋፍሎ ኣይክእልን እዩ ይብሉ። ኣብ ከምዚ ኩነታት እቲ ወኪል ነቲ ናይ ወናኒ ንብረት ከውፍሮ ናቱ ሓላፍነት ኢዩ፣ ምናልባት'ውን ክሳዕ ብምልኣት እቲ ሃብቲ ነቶም ተረባሕቲ ዝበጽሖም፡ ብብእዋኑ ንተረባሕቲ ምቅሊት ይህብ። 

ተረባሒ ናይ ሓደ ሕድሪ ክብሃል እንከሎ ኣብዚ እዋን ወይ'ውን ኣብ መጻኢ ብመሰረት ውዕል ናይቲ ሕድሪ ካብ ተወካሊ ገንዘባዊ ይኹን ካልእ ሃብቲ ንኽምቀል መሰል ዘለዎ ሰብ እዩ። ንሳ ወይ ንሱ ብመጀመርያ ሕድሪ ክምስረት እተደልየሉ ምኽንያት እዩ ወይ እያ።

እቲ ሕድሪ ተሰራዚ (ማለት ህያው ዝኾነ ክስረዝ ዝኽእል ሕድሪ፣ እቲ ኣወካሊ ብህይወቱ እንከሎ) እንተዘይኮይኑ ካብቲ ኣብ ናይ ሕድሪ ሰነድ ተዘርዚሮም ዘለው መሰላት እዞም ዝስዕቡ ተወሰኽቲ መሰላት ኣለዎም፣

  • ናይ ሕድሪ ምልክታ ናይ ምቕባል መሰል።
  • ናይ ሕድሪ ቅዳሕ ናይ ምቕባል መሰል።
  • ናይ ሕድሪ ናይ ሕሳብ ጸብጻብን ኣብ ሕድሪ ዝተዘርዘረ ናይ ተረባሒ ጥቅምታት ሓበሬታታት ናይ ምቕባል መሰል።
  • ስምምዓት ሕድሪ ናብ ተፈጻምነት ክመጹ ምግባርን ተወካሊ ንጥቕሚ ተረባሒ ዝጎድእ ጌጋ ኣብ ዝገብረሉ ግዜ ትሓታቲ ናይ ምግባርን መሰል።

ብሕጋዊ መንገዲ ክሳዕ ዘይተነጽገ ሓደ ሕድሪ በቲ ኣብ ናይ ሕድሪ ሰነድ ዝተጠቕሰ ዕለት እዩ ዘብቕዕ። ብዙሕ ግዜ እቲ ኣወካሊ ወይ ሓደ ካብ ተረባሕቲ ምስ ዝሞቱ እዩ ዘብቕዕ። ግና ሓደሓደ ግዜ ሕድሪ ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ወይ'ውን ፍጻሜ ከብቕዕ ይኽእል እዩ፣ ንኣብነት ተረባሕቲ ምስ ዝምርዓዉ ወይ'ውን ናብ ዝተወሰነ ደረጃ ዕድመ ምስ ዝበጽሑ። ግናኸ ሕድሪ ዘብቅዓሉ ካልኦት ምኽንያታት ኣለዉ። ገለ ካብኣቶም፣

  • ናይ ሕድሪ ስምምዓት ምስ ዘኽትም፣
  • ዕላማ ናይ ሕድሪ ምስ ዝብጻሕ፣
  • ዕላማ ናይ ሕድሪ ዘይሕጋዊ ምስ ዝኸውን፣
  • ዕላማ ናይ ሕድሪ ክብጻሕ ዘይክኣል ምስዝኸውን ወይ'ውን
  • ሕድሪ ምስ ዝንጸግ።

ሕድሪ ድሕሪ ምብቕዑ፡ ክሳዕ ምጽፋፍ እቲ ጉዳይ ተወካሊ/ት ግቡኡ የተግብር።

ኣብ ግዜ ምፍጣር ሕድሪ እቲ ኣወካሊ ነቲ ሕድሪ ዘይስረዝ ክሳዕ ዘይገበሮ፣ ክስረዝን ክቕየርን ይክኣል እዩ። ወላ'ውን ዘይስረዝ ሕድሪ እንተኾነ ኣብዞም ዝስዕቡ ኩነታት ክቕየር ይክኣል እዩ፣

ኩሎም ተረባሕቲ እንተተሰማሚዖም ነቲ ሕድሪ ከብቕዕ ወይ ለውጢ ክግበረሉ ናብ ቤት ፍርዲ ጥርዓን ምቕራብ ይክኣል ምዃኑ ሕጊ የብርህ።

ቤት ፍርዲ ክግምግም እዩ፣

  • እቲ ሕድሪ ዝተሰርዓሉ ዕላማ ክሳዕ ዝፍጽም ክቕጽል እንተልይዎ
  • ነቲ ሕድሪ ናይ ምቅያር ኮነ ናይ ምምሕያሽ ድሌት ካብቲ
እቲ ሕድሪ ክፍጽም እተሓንጸጸ ዕላማ ዝሓይሽ ኮይኑ ምስ ዝርከብ እሞ ኣወካልን ተረባሕትን ድማ ምስ ዝሰማምዑ

እቲ ሕጊ ከምዚ ይብል እንድሕር ኩሎም ተረባሕትን ኣወካልን ተሰማሚዖም ነቲ ሕድሪ ክቕየር ኮነ ከብቕዕ ይኽእል እዩ።

ካብ ተረባሕቲ ምስ ዘይሰማምዑ እቶም ተሰማሚዖም ዘለዉ ተረባሕቲ

ምስ ኣወካሊ ብምስምማዕ ንረብሓ ዘይተሰማምዑ ተረባሕቲ ብኸቢድ ዘይሃሲ ክሳዕ ዝኾነ ነቲ ሕድሪ ብኸፊሉ ክቕይርዎ ወይ'ውን ብዘሎ ከብቕዕ ጥርዓን ከቕርቡ ይኽእሉ።

እቲ ሕድሪ ዘይቁጠባዊ ትሑት ገምጋም ዘለዎ እንተኾይኑ፣

ቤት ፍርዲ ድማ ካብቲ ዘለዎ ዋጋ ንላዕሊ ንምሕደርኡ ዝወጽእ ወጻታት በዚሑ ኢሉ አንተወሲኑ፣ ኣቶም ተረባሕቲ ወይ'ውን ተወከልቲ እቲ ሕድሪ ከብቕዕ ክሓቱ ይኽእሉ፣ ወይ ድማ ሓድሽ ተወካሊ ይመርጹ።

ገምጋም ናይቲ ሕድሪ $20,000 ወይ ትሕቲኡ ምስ ዝኸውን፣ ተወከልቲ ነቲ ሕድሪ ከብቕዕ ክገብርዎ ይኽእሉ።

ኩነታት ምስ ዝቕየር ሕድሪ ይምሓየሽ ወይ'ውን ደው ይብል

ኩነታት እንተተቀይሮምን ኣብ መጻኢ ውን ዝቕየሩ እንተመሲሎም፣ ሕድሪ ከምዘለዎ ምቕጻል ነቲ ሕድሪ ክጎድእን ከሕምቕን ዝኽእል እንተመሲሉ፣ ቤት ፍርዲ እቲ ሕድሪ ክምሓየሽ ወይ ደው ከብሎ ይኽእል።

 

ተወካሊ ንተረባሕቲ ብዛዕባ እቲ ሕድሪን ምሕደራኡን ቀጻሊ ክሕብር ይግባእ። ሓበሬታ ንምርካብ ሕቶ ኣብ ተቕርበሉ፣ ተወካሊ ብዛዕባ ንብረት፣ ሃብቲ፣ ዕዳ፣ ቅብሊታትን ወጻኢታትን ናይቲ ሕድሪ፣ እቲ ተወካሊ ዝገበሮ፣ ንተወካሊ ዝተኸፍለ ገንዘብ፣ ብተወካሊ ዝተቖጽሩ ኣካላት፣ ምስቲ ተወካሊ ዘለዎም ዝምድናታትን ዝተኸፍሎም ገንዘብን፣ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ተረባሒ ጥቅሚ፣ ከምኡ'ውን ቅዳሕ ናይ ሕድሪ ብጸብጻብ መልክዕ ከቕርብ ይግባእ።

ሓበሬታ ናይ ምውሳድ መሰልካ ሰሪዝካዮ እንተጸኒሕካ፣ ብጽሑፍ መልክዕ ብምሕታት መሰልካ ብምምላስ ናይ ቀረባ እዋንን ናይ መጻእን ጸብጻብን ክቅቕበል ትኽእል። ጸብጻብ ክውሃበካ ብጽሑፍ ካብ ትሓትት 60 መዓልታት ወይ ልዕሊኡ እንተጌሩ፣ ወይ'ውን ብቃል ካብ ትሓትት 6 ወርሒ እንተጌሩ፣ ክሳዕ ሕጂ ድማ ካብ ተወካሊ ጸብጻብ እንተዘይረኺብካ፣ ተወካሊ ጸብጻብ ከቕርበልካ ንኽእዝዞ ናብ ቤት ፍርዲ ክትጠርዕ ይክኣል እዩ። ወላ'ውን እቲ ሕድሪ ባዕሉ ተወካሊ ጸብጻብ ክህብ የብሉን ዝብል እንተኾይኑ፣ ተወካሊ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ይገብር ምህላዉ እንተ ኣርኢኻ ቤት ፍርዲ ጸብጻብ ከምዘቅርብ ክገብሮ ይኽእል እዩ።

እቲ ሕድሪ ዝምሓየሽ እንተኾይኑ ወይ ድማ ጸብጻብ ናይ ምቕባል መሰልካ እንተ ሰሪዝካዮ፣ ወይ ድማ ተወካልን ተረባሕን ሓደ ኣካል እንተኾይኑ፣ እቲ ሕድሪ ዘገድዶ እንተ ዘይኮይኑ ጸብጻብ ከቕርብ ኣይግደድን።

ቤት ፍርዲ ንተወካሊ ብምእላይ ነቲ ሕድሪ ዘምጽኣሉ ክሳራ ንተረባሒ ከምዝኸፍሎ ይገብር። ገለገለ ግዜ ናይ ተረባሒ ጥቕሚ ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ እቲ ጉዳይ ኣብ መስርሕ እንከሎ ቤት ፍርዲ ንተወካሊ ክኣልዮ ወይ ድማ ስልጣኑ ከደስክልን እዩ።

ገለ ናይ ሕድሪ ሰነዳት፣ ተወካሊ ብፍቓዱ ኣብ ዝጋገየሉ ወይ'ውን ከቢድ ሸለልትነት ኣብ ዘርእየሉ ግዜ ጥራይ ክሕተት ከምዘለዎ ይነግር። ግናኸ ናይ ካሊፎርንያ ሕጊ እዝዩ ጥንኩር እዩ፣ ብምኽንያት ሓንቲ ካብዞም ዝስዕቡ ጌጋታት ቤት ፍርዲ ንተወከልቲ ከተባርር ትኽእል፣

  • ምጥሓስ ሕድሪ፣
  • ተወካሊ ካብ ሃብቲ ንላዕሊ ዕዳ ምስ ዝህልዎ፣ ከምኡ'ውን ተወካሊ ንምዃን ዘይብቁዕ ምስ ዝኸውን፣
  • ብምኽንያት ግጭት ወይ'ውን ዘይምስምማዕ ኣብ መንጎ ተወከልቲ ሕድሪ ብዝግባእ እንተ ዘይተመሓዲሩ፣
  • ተወካሊ ወኪል ምዃን እይደለየን፣
  • ክፋልት ናይ ተወካሊ ልዕሊ መጠን እዩ፣
  • ሕጊ ንገለ ሰባት ተወከልቲ ካብ ምዃን ምስ ዝእግድ።

ተረባሒ ድሕሪ ጸብጻብ ናይ ሕድሪ ምቕባሉ ቤት ፍርዲ ንተወካሊ ንኽኣልዮ ጥርዓን ንምቕራብ 3 ዓመታት ኣለዎ። 

እወ። ተወካሊ ስርሑ ከቋርጽ ምስ ዝደሊ ከቋርጽ ይኽእል እዩ።

  • ብመሰረት ኣብ ሰንድ ሕድሪ ተገሊጹ ዘሎ፣
  • እቲ ሕድሪ ዝስረዝ እንተኾይኑ፣ እቲ ነቲ ሕድሪ ክስርዝ ዝኽእል ሰብ ከምዝስማማዕ ብምግባር፣
  • እቲ ሕድሪ ክስረዝ ዘይክእል እንተኾይኑ ድማ፣ ምስቶም ዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሑ ተረባሕቲ ብምስምማዕ ወይ'ውን
  • ድሕሪ ስራሕ ናይ ምቁራጽ ጥርዓን ምቕራብ ናይ ቤት ፍርዲ ውሳኔ ብምቕባል።

ተረባሕቲ ኣይንደልን ክሳዕ ዘይበሉ ተወካሊ ኣብ ስራሕ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ዝነበረ ኩሉ ናይ ሕድሪ ምንቕስቃሳት ከቅርብ ይግደድ።

እንድሕር ድኣ ተወካሊ ሞይቱ ወይ'ውን ስራሕ ኣቋሪጹ፣ ከምኡ'ውን ብቤት ፍርዲ ''ዘይብቑዕ'' እንተ ተባሂሉ፣ ኣብ ጥፈሻ ምእታዉ እንተገሊጹ፣ ከም ተወካሊ ኮይኑ ክቕጽል ኣይክእልን እዩ ብኻልእ ክትካእ ኣለዎ።

ገለገለ ሕድሪታት 2 ወይ ካብ ካብኡ ንላዕሊ ተወከልቲ ኣለዎም፣ እቲ ሕድሪ ውን እቲ ዝተረፈ ተወካሊ ከም ኣውራ ተወካሊ ኮይኑ ይቐጽል ይብል ወይ ድማ ሓድሽ ተወካሊ ዝቁጸረሉ መንገዲ ክህቡ ይኽእሉ።

ነቲ ዕማም ዝኸውን ሰብ እንተተሳኢኑ፣ ብስምምዕ ኩሎም ዕድመ ዘእከሉ ተረባሕቲ ናይ ውክልና ትካል ነቲ ስራሕ ይሕዞ። ከምኡ ምስ ዘይክኣል ድማ፣ ኣብቲ ሕድሪ ብርኪ ዘለዎ ዝኾነ ኣካል ወይ'ውን ዝኾነ ተወካሊ ተባሂሉ ዝተሰምየ ሰብ እቲ ናይ ውክልና ቦታ ክወሃቦ ክጠልብ ይኽእል። ዝኾነ 14 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝዕድሜኡ ተረባሒ ተወካሊ ክረቑሕ ይኽእል እዩ፣ እንተኾነ ትሕቲ 18 ዝዕድሚኡ ሰብ ውክልና ክወሃቦ ሕጊ ኣየፍቅድን እዩ።

ክሳዕ ቤት-ፍርዲ ካልእ ፍቃደኛ ዝኾነ ሰብ ዘይስኣነ ህዝባዊ ሞግዚት ከም ተወካሊ ናይ ዝኾነ ሕድሪ ኮይኑ ክሰርሕ ኣይክእልን።

ኣብ ናይቲ ሰብ ሰነዳትን ወረቃቕትን ሕጋዊ መሰል እንተልዩካ፣ ናይ ሕድሪ ሰነዳት፣ ወይ መወከሲታት ንምርካብ ፈትሽ። ቅዳሕ ናይ ስምምዓት፣ ናይ ባንክ ወይ'ውን ናይ ውሕስነት ናይ ሕሳብ ደብተራት፣ ንወኪል ዋንነት ዝህቡ፣ ወይ'ውን ሕድሪ ዘምሓላልፍ ሕድሪ። ከምኡ'ውን ጠበቓ ዝጠቕሱ ሰነዳት ብምውካስ፣ ጠበቓ ብምድዋል ናይቲ ሕድሪ ሰነድ እንተልዩ ብምሕታት።

ከምኡ'ውን ናብ ናይ ወረዳ ናይ ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ብምብጻሕ ወይ'ውን ናይ ወረዳ ገምጋሚ ቤት ጽሕፈት ገምጋሚ ብምርካብ ናይ ሓደ ሰብ ሃብቲ ኣብ ትሕቲ ተወካሊ ምህላው ከተረጋግጽ ይክኣል። ንናይ ገምጋሚ ቤት ጽሕፈት መርበብ ኣብዚ ዝስዕብ ትብቆ ይጽቀጡ፣  www.acgov.org/assessor/index.htm

ናይ ዝኾነ ሰብ ንብረት ኮነ ገዛ ኣብ ትሕቲ ውክልና ምህላው ንምርግጋጽ፣ ናብ ናይ ሃገር ቤት ጽሕፈት ጸብጻብ ብጻሕ ወይ'ውን ንኽፍሊ ህዝባዊ ኣገልግሎት ናይ ወረዳ ቤት ጽሕፈት ጸብጻብ ገምጋሚ በዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ይደውሉ (510) 272-3787።

ወነንቲ ናይ ባንክ ሕሳብ፣ ናይ ድለላ ሕሳባት፣ ናይ ግለ ሰብ ንብረትን ምፍላጥ ቀሊል ኣይኮነን። ወናኒ ጥራይ እዩ ብዛዕባ ሕሳቡ ዝገልጽ ጸብጻብ ንኽቅበል መሰል ዘለዎ።

ኣወካሊ ኣብ ግዜ ሕድሪ ምሃቡ ዝዘርዘሮም ንብረት እንተልዮም (ንካልእ ግዜ ናብቲ ሕድሪ ንኽኣትዉ) ግናኸ ቅድሚ ከምኡ ምግባሩ ምስ ዝመውት፣ ተወካሊ ነቶም ንብረት ኣብቲ ሕድሪ ክካተቱ ንቤት ፍርዲ ክሓትት ይኽእል።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ኣብ ኮድ መርመራ  ክፋል 17200

ዚርከብ ኣንብብ።

እወ። ግናኸ መጀመርያ እቲ ሕድሪ ኣንብቦ ከምኡ'ውን ምስ ናይ ሕድሪ ጉዳያት ተመኩሮ ንዘለዎ ጠበቓ የማኽር። ንሓደ ሕድሪ ተወዳዲርካ እንተ ዘይተዓዊትካ ካብቲ ሕድሪ ክትወስዶ ዝግብኣካ ንብረት ውን ዘይክትቅበል ትኽእል ኢኻ።

እዞም ዝስዕቡ ንሓደ ሕድሪ ክንብድሆ ዝገብሩና ምኽንያታት እዮም፣
  • እቲ ኣወካሊ ብጸቕጢ ነቲ ሕድሪ ምፍራሙ ወይ'ውን ምስምምዑ እንተኣሚንካ።
  • ኣወካሊ ሕድሪ ኣብ ዝፈረመሉ ግዜ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት እይነበረን ኢልካ እንተሓሲብካ።
  • ኻብቶም ነቲ ሕድሪ ዘዳለዉ ሰባት (ብዘይካ ኣወካሊ) ካብቲ ሕድሪ ዝጥቀሙ እንተ ኾይኖም።

እቲ ሰነድ ሕድሪ ናይ ተረባሒ ምቕሊት ኮነ ብጽሒት ክመሓላለፍ እንተደኣ ዘይከኣል ኮይኑ፡ (ቁጠባ ወጻኢታት) ዝብል ኮይኑ፣ ክሳዕ ምቕሊት ናብ ኢድ ተረባሒ ዝበጽሕ እቲ ንስኻ እትእውዶም ገንዘብ ወይ ናትካ ገንዘብ ምሶኦም ዘሎ ኣይክከፍሉካን እዮም። ግናኸ ብመገዲ ተረባሒ ኣቢሉ ተወካሊ ካብ ናይ ሕድሪ ሃብቲ ገንዘብካ ክመልሰካ ናብ ቤት ፍርዲ ጥርዓን ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ።

ፕሮቤት ኮድ ክፋል ረአ  15300 ዝቕጽሉን።

እንድሕር ድኣ ኣወካሊ ካባኻ ዝተዓደዮ ገንዘብ ኣሎ ነቲ ሕድሪ ብኸፊሉ ኮነ ብሙሉእ ክስርዞ ዝኽእል እንተኾይኑ፣ ኣወካሊ ብህይወት ክሳዕ ዘሎ ኣብቲ ንብረት ክሲ ክትምስርት ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ገለ እዋናት፡ ነቲ ኣብ ሕድሪ ዘሎ ናይ ኣወካሊ ዝልዓለ መጠን ገንዘብ ክትሓትት ትኽእል ከምኡ'ውን ኩሉ ኣብቲ ሕድሪ ተኻቲቱ ዘሎ ንብረት ክትሓትት ይክኣል፡ እዚ ድማ ክሳዕ ኩሉእቲ በቲ ኣወካሊ ዝተዋህበ ገንዘብ ናብ ዝምልከቶ ሰብ ዘይበጽሐ ግዜ ክኸውን ይኽእል።

ፕሮቤት ኮድ ክፋል 18200 ተመልከቱ

ነቲ ዝሞተ ኣወካሊ ናይ ዝስረዝ ሕድሪ፣ ገንዘብ ትእውዶ እንተኔርካ እሞ ድማ ኣብቲ መስርሕ መርመራ ዝሓተትካዮ መጠን ዝበቅዕ እንተ ዘይኮይኑ፣ ብዛዕባ መርመራ ናይ ንብረት ጥርዓን ከተቕርብ ይክኣል እዩ።

እንተ ተዓዊትካ፣ ዝሓተትካዮ ገንዘብ ካብ ኣብቲ ሕድሪ ዘሎ ሃብቲ ክኽፈለካ እዩ።

ናይ መርመራ ቤት ጥርዓን ናብ ቤት ፍርዲ እንተዘይቀሪቡ፣ ተወካሊ'ውን ምስ ቤት ፍርዲ ብምዃን ንኣለቃሕቲ ምልክታ እንተ ዘይሂቡን ሓቲሙን፣ ብገዛእ ርእስኻ ናይ መርመራ ጥርዓን ተቕርብ ናብ ናይ መርመራ ቤት ፍርዲ'ውን ትጠርዕ።

እንድሕር ድኣ ኣወካሊ ንኣለቃሕቲ ምልክታ ኣዳልዩን ሓቲሙን እንተኾይኑ፣ ከምኡ'ውን ቅዳሕ ናይቲ ምልክታ ነቶም ዝፈልጦም ወይ ክፈልጦም ዝግብኦ ኣለቃሕቲ ልኢኹ ኮይኑ፣ ክስኻ ኣብ ውሽጢ 4 ኣዋርሕ ካብ ናይ ምልክታ ግዜ ኣብ ቤት ፍርዲ ክትምስርት ትኽእል ኢኻ፣ ወይ'ውን እቲ ቅዳሕ ብኣካል ኮነ ብፖስታ ናባኻ ካብ ዝበጽሓሉ ግዜ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት።

ከምኡ ድማ ናይ ጥርዓንካ ቅዳሕ ንተወካሊ ኣቅርብ። ተወካሊ ክስኻ እንተነጸጎ፣ ገንዘብካ ንምርካብ ኣብ ልዕሊ ተወካሊ ክሲ ምምስራት ይክኣል። ክትከሰሉ ዘለካ ናይ ግዜ ገደብ ኣሎ። ፕሮቤት ኮድ  ክፋል 19255 ይመልከቱ

ተወካሊ ንጥርዓንካ ክቕበል ኮነ ክነጽግ መሰል ኣለዎ። ክሲ ዝቀርበሉ ግዜ ምስ ዘብቕዕ፣ ተወካሊ ኣሻላሻል ክገብረሉ ንቤት ፍርዲ ክጠርዕ፣ ዘይተነጽጉ ክስታት ክውግንን ወይ'ውን ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ሕድሪታት ምስቲ ክሲ ዝተኣሳሰሩ ምስ ዝኾኑ ክሲ ከምሓድርን ይኽእል።

ኣብ ክሲ ዝምስረተሉ ግዜ ክሲ እንተ ዘይመስሪትካ፣ ወይ'ውን ንናይ ተወካሊ ክሲ ይ ምቕባል ሕቶ ተቓውሞኻ እንተ ዘይኣስሚዕካ። ነቲ ትእውዶ ገንዘብ ንምውሳድ ዝኾነ ቀጻሊ ግብራዊ ስጉምቲ ክትወስድ ኣይክኣልን። ውሳኔ ቤት-ፍርዲ ንኹሎም ምልክታ ናይ ጥርዓን ዝበጽሖም ከሰስትን ተረባሕትን ቀያዲ ይኸውን።

 

ሕድሪ ክስረዝ ዝኽእል እንተ ዘይኮይኑ ተወከልቲ ወይ'ውን ተረሕቲ ብዛዕባ ናይቲ ሕድሪ ውሽጣዊ ምሕደራ ወይ'ውን ሕድሪ ምህላው ንምፍላጥ ጥርዓን ከቕርቡ ከም ዝኽእሉ ሕጊ ይነግር።

ናብ ቤት-ፍርዲ ምጥራዕ ዝተሓላለኸ እዩ። ቅድሚ ጥርዓን ምቕራብካ ብቑዕ ጠበቓ ተወከስ።

ጥርዓንካ ንቤት ፍርዲ እዞም ዝስዕቡ ሓዊስካ ብዙሕ ሕቶታት ከቕርብ ይኽእል፣

  • ልክዕነት ስምምዓት ናይቲ ሕድሪ ምርግጋጽ።
  • ተረባሕቲ መን ምዃኖም ምልላይን መን ንብረት ከም ዝወስድ ምውሳንን፣ ከምኡ'ውን ምስ በጽሖም፣ እቲ ሕድሪ ብዛዕብኡ ሓበሬታ ዘይህብ እንተኾይኑ።
  • ሕሳባት ምውጋን ምንቅስቃሳት ናይ ተወካሊ ምግምጋምን።
  • ንተወካሊ ክገብሮ ዘለዎ ነገራት ምንጋር ንኣብነት ብዛዕባ እቲ ሕድሪ ኮነ ሕሳባቱ ንተረባሕቲ ጸብጻብ ምቕራብ።
  • ንተወካሊ ስልጣን ክወሃቦ።
  • ናይ ተወካሊ ክፍሊት ምውሳንን ምግምጋምን።
  • ተወካሊ ምሻምን ምእላይን ብፍታው ቦታኡ ኣብ ዝሓድገሉ ምስንባት።
  • ብጉድለት ተወካሊ ኣብ ሕድሪ ኮነ ተረባሕቲ ንዝመጸ ክሳራ ተወካሊ ከምዝኸፍል ምግባር።
  • ኣብ ሕድሪ ለውጢ ክህሉ ምፍቃድን ምምእዛንን፣ ከምኡ'ውን ሕድሪ ከብቕዕ ምግባር።
  • ምፍቃድን ምእላይን ምኽፋልን ምጽንባርን ናይ ሕድሪታት።
  • ነቲ ናይ ወራሲ ንብረት ናብ ደገፋዊ ምቅናስ ናይ ግብሪ ዝእዝዝ ፈደራላዊ ሕጊ ንኽበቕዕ ሕድሪ ምቕያር።
  • ሕድሪ ወይ'ውን ናይ ሕድሪ ንብረት ካብን ናብን ሃገራት ክሰጋገር ምፍቃድ።
  • ሕድሪታት ካብን ናብን ሃገራት ንምስግጋር ምምእዛን።
  • ሕድሪ ካብ ኣላይነት ቤት ፍርዲ ክወጽእ ፍቃድ ምሃብ።
  • ንሕጋዊ ኣገልግሎት ዝኽፈሉ ክፋልታት ቅቡልነቶም ምግምጋም።

 

ንኻልኦት ምኽንይያታት ውን ናብ ቤት ፍርዲ ምጥራዕ ይክኣል እዩ። ንዝያዳ ሓበሬታ፣ ናይ ካሊፎርንያ ፕሮቤት  ኮድ ክፋል 17200 የንብቡ

ተወካሊ ኮነ ካልእ ግዱስ ኣካል በዞም ምኽንያታት ጥርዓን ከቕርብ ከም ዝኽእል ሕጊ የብርህ።

  • ተወካሊ ንዝተወሰ ግላውን ካልእ ንብረት ሕጋዊ መሰል ምስ ዝህልዎ፣ ካልእ ሰብ ድማ ኣብቲ ንብረት ብኸፊል ኮነ ብምሉእ ክሲ ምስ ዝምስርት።
  • ካልእ ሰብ ንዝተወሰ ግላውን ካልእ ንብረት ሕጋዊ መሰል ምስ ዝህልዎ፣ ተወካሊ ድማ ኣብቲ ንብረት ብኸፊል ኮነ ብምሉእ ክሲ ምስ ዝምስርት።
  • ንኣወካሊ ዘለቕሖ ኣካል ኣብቲ ሕድሪ ክሲ ምስ ዝምስርት።

ናይ ካሊፎርንያ ፕሮቤት  ክፋል 17200.1  ከምኡ'ውን ክፋል 850 ይመልከቱ

 

Was this helpful?

This question is for testing whether or not you are a human visitor and to prevent automated spam submissions.