Skip to main content
Skip to main content.

ናይ ትሕቲ ዕድመ ቀት ፍርዲ

ናይ ትሕቲ ዕድመ ቀት ፍርዲ ኚኣ ን ትሕቲ 18 ዓመት ዝኟኑ ቆልዑ (ትሕቲ ዕድመ ወይ ኮተ቎) ዘጠቓልል ኣብ ክልተ ዝተፈላለዩ ዓይነት ጉዳያት ዚተኩር። ናይ ትሕቲ ዕድመ ጜግዕተኛነት ጉዳያት ኚኣ ን ምብዳልን ኚምኡ'ውን/ወይ ምግላልን ናይ ትሕቲ ዕድመ ዝኣመስለ ጉዳያት ዹጠቓልል  ናይ ትሕቲ ዕድመ በደል ጉዳያት ኚኣ ንምጥሓስ ገበናዊ ሕግታት ብ ትሕቲ ዕድመ ዚጠቓልል። 

ምልክታታት

ብዛዕባ እቲ ክርኚብ ዝኚኣል ኣገልግሎታት ቀት ፍርዲ ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ብኜብሚትካ ነቲ እቲ ንቀት ፍርዲ  ኢሉ ዝተዋህበ COVID-19 መርበብ ሓበሬታ ርአ። 

ትሕቲ ዕድመ ወይ ኮተ቎ን ሕግን

ብዙሓት ዓይነታት ጉዳያት ድማ ንቆልዑ ዚጠቓሉሉ፡ ናይ ትሕቲ ዕድመ ጜግዕተኛን ናይ ትሕቲ ዕድመ በደልን ዚጠቓልል። ናይ ቆልዓ ምእላይን ናይ ቆልዓ ደገፍን ኚኣ ኣብ ናይ ስድራቀት ሕጊ ክፋል ናይ መርበብ ሓበሬታ ተጠቒሶም ኣለዉ።

ሞግዚትነት ድማ ኣብ ናይ  ኣመክሮ  ክፋል ተጠቒሶም ኣለው፡ ኚምኡ ድማ ናይ ስም ለውጥታት ኚኣ ኣብ ናይ ነብስኻ ምሕጋዝ ክፋልተጠቒሶም ኣለዉ።

ናይ ትሕቲ ዕድመ በደል

ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ'ዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ኣርእስትታትን ብቐጻሊ ዝሕተት ሕቶታትን ብዛዕባ ናይ ትሕቲ ዕድመ በደል ናይ ጠውቑ።

ኣብዚ ክትፈልጥዎ ትኜእሉ ድማ፡

እዚ ቊታ ድማ ብዛዕባ ናይ ትሕቲ ዕድመ በደል ናይ ጹንፈር ላዕለዋይ ቀት ፍርዲ ናይ ካሊፎርኒያ፡ ናይ ካውንቲ Alameda ሓበሬታ ይህብ።

ሓበሬታ ድማ ብዛዕባ'ዚ ዝስዕብ ክትሚኜቡ ትኜእሉ ኢኹም፡

  • ናይ ትሕቲ ዕድመ በደል ናይ ቀት ፍርዲ መስርሕን ጉዳያትን
  • ሓገዝ ዝህባ ፍሉያት ኣብያተ ፍርዲ ናይ ትሕቲ ዕድመ ወይ ኮተ቎ (ናይ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኊም ቆልዑ)
  • ቅድምን ድሕርን ጉዳይ ምርኣዩ ዘሎ መደባት ናይ ትሕቲ ዕድመ ወይ ኮተ቎
  • ን ናይ ትሕቲ ዕድመ ወይ ኮተ቎ ዘሎ ኮማዊ ጞጋታት

ኣብ'ዚ ክትገብርዎም ትኜእሉ ነገራት፡

  • ገምጋም ስእሊ ጉዳያት በደል ኹመይ ኢሉ ብመገዲ ቀት ፍርዲ ይሓልፍ።
  • ናይ ትሕቲ ዕድመ ወይ ኮተ቎ን ወለዶምን ንምሕጋዝ ዘሎ መላግቊታት ናይ ካልኊት ህሉው ጞጋታት።

ኣብ'ዚ ክትገብርዎም ዘትኜእሉ ነገራት፡ 

  • ሕጋዊ ምኜሪ ርኞቡ
  • ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ ወይ ኮተ቎ ናይ በደል ቀት ፍርዲ ሰነዳት ምልእዎም ወይ ድማ ብ ኀለክትሮኒካዊ ኣገባብ ዚእትዉዎ

እዚ ክፋል ድማ ብዛዕባ'ዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ኣለዎ፡ 

  • ንሕና መን ኢና
  • ዕላማ ናይ በደል ቀት ፍርዲ
  • ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ ወይ ኮተ቎ ናይ በደል ቀት ፍርዲ መን እዩ ዝቐርብ

1. ናይ ትሕቲ ዕድመ ናይ ጜግዕተኛ ቀት ፍርዲ እንታይ እዩ፧

ትሕቲ ዕድመ ወይ ኮተ቎ ናይ በደል ቀት ፍርዲ ድማ ጹንፈር ናይ ላዕለዋይ ቀት ፍርዲ ናይ ካሊፎርኒያ ናይ Alameda ካውንቲ ኮይኑ፡ እዚ ኚኣ ብስተይት ድማ ንጉዳያት ናይ ብኮተ቎ ዝፍጾም ገበን ንምስማዕ ሓላፍነት ተዋሂብዎ። እቶም ሕጋውያን ስጉምትታት ኣብ'ዚ ቀት ፍርዲ ድማ ኣብ፡ ኣዋጅ  ናይ ማሕበራዊ ድሕነትን ትካላትን ኣብ ክፋል 602 ተገሊጹ ኣሎ።

2. ናይ ትሕቲ ዕድመ ናይ በደል ቀት ፍርዲ ዕላማ እንታይ እዩ፧

ዕላማ ናይ ትሕቲ ዕድመ ናይ በደል ቀት ፍርዲ ኚኣ ብሓጋጊ ኣካል ናይ ስተይት ኣብ ኣዋጅ ናይ ማሕበራዊ ድሕነትን ትካላትን ኣብ ክፋል 202 ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ'ዚ ክፋል ናይዚ ኣዋጅ ድማ እቲ ሓጋጊ ኣካል እቲ ብ ናይ ትሕቲ ዕድመ ናይ በደል ቀት ፍርዲ ዝተወስደ ስጉምቲ ምክልኻልን ድሕነትን ናይ ሓፋሜን ኚምኡ ድማ ናይቲ ናብ ቀት ፍርዲ ዝመጾ ኮተ቎ ኚዳሉ ኣለዎ። ደያኑ ናይ'ዚ ቀት ፍርዲ ድማ ንሚብሓ ድሕነትን ምክልኻልን ናይ ሓፋሜ ወይ ህዝቢ፡ ንኣገዳስነት ምእራም ጉድኣት ናይ ግዳይን ንዝሓሾ ሚብሓ ናይ ኮተ቎ን ኚመዓራርይ ትጜቢት ይግበሚሎም። ዳኛ ሓንሳብ ውሳኔ ምስ ሃበ፡ ቀት ፍርዲ ጣልቃ ኣትዩ ናይቲ ኮተ቎ መጻኢ ክቆጻጞር እዩ። ውሳኔ ናይ'ቲ ኮተ቎ ዝወስዶ ዓይነት ክንክን፡ ሕክምናን ምርሒትን ኚኣ ናይቲ ኮቲተ ዝሓሾ ሚብሓ ኣብ ግምት ክኣትው ኣለዎ፡ ነቲ ጠባዩ/ያ ድማ ብሓላፍነት ይሕዞን ኚምኡ ኚኣ ነቲ ኩነታት ናይ'ቲ በደል ድማ ግቡእ እዩ። እዚ መምርሒ ድማ ምስቲ ነቲ ትሕቲ ዕድመ ተማእዛዚ ንሕጊ ዝኟነን ኣፍራዪ ዜጋን ኣባል ስድራኡ/ኣ ኚምኡ'ውን ሕብሚተሰብ ዝሕግዝ ዝሰማማዕ ተሃድሶ ኹጠቓልል ይኜእል'ዩ።

3. ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ  ናይ በደል ቀት ፍርዲ እንታይ ይቐርብ፧

ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ ናይ በደል ቀት ፍርዲ ዝቐርብ ሰብ ኚኣ ብሓፈሜኡ ዝኟነ ትሕቲ 18 ኣብ ቀሚባ ዓመታት እቲ ሕጊ ኚኣ ሓደ 14 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ዝዕድሚኡ ሰብ ኮይኑ እሞ ገለ ኚቢድ ገበን ዝፈጾመ ሰብ ኣብ ናይ ዓበይቲ ናይ ገበን ቀት ፍርዲ እምበር ኣብ ናይ በደል ቀት ፍርዲ ዘይኮነ ክኜሰስ ይክኣል እዩ ክጜውዖም ተመሓይሹ እዩ።

እዚ ክፋል ድማ ብዛዕባ'ዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ኣለዎ፡

  • ፍርዳዊ ሞኮንናትን ኣባላትን
  • ኣኜባር ሕጊ ዞባ
  • ናይ ትሕቲ ዕድመ/ወለዲ ጠበቓ
  • ተርጎምቲ
  • ናይ ትሕቲ ዕድመ ናይ ኣመክሮ ሞኮንናት
  • ወለዲ ወይ ሞግዚታት
  • ናብ ጉዳያትን መዛግብትን ህዝቢ ክርእዮ ምኜኣል

ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ በደል ጉዳይ ኣዚኖት ናይ ቀት ፍርዲ ኣባላት እዮም ዝሳተፉ፧ 

ኣብ መጋባእያ ቀት ፍርዲ ዘለው ኣባላት ኚኣ ነዚኩም ዚጣምር:

  • ሜመኛ ወይ ውላድ ዳኛ፡ እዚ ኚኣ ኣብ ክፍሊ ናይ ቀት ፍርዲ ኣብ እዋን መጋባእያ ስርዓት ዝሕሉ እዩ
  • ናይ መጋባእያ ተሓዝ መዝገብ፡ እዚ ኚኣ ናይ ጜሑፍ ጹማቕ ናይ'ቲ ኣብ መጋባእያ ዝተገብሚ ዚዳሉን ኚምኡ ኚኣ ናይ ወሚቓቕቲ ፋይላት ድማ ይሕዝን
  • ናይ መጋባእያ ጞብጻብ ዘቕሚብ፡ እዚ ድማ ቃል ብቃል ጞብጻብ ናይ ኣብ መጋባእያ ዝተባህለ ጞብጻብ ዚቕርብ

ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ ናይ በደል ጉዳያት መን እዩ ዝኞስስ፧ 

ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ በደል ቀት ፍርዲ፡ ኣኜባር ሕጊ ዞባን ምክትላቱ/ታን ኚኣ ንህዝቢ ናይ ካሊፎርኒያ ስተይት ይውክሉ። እዞም ኣኜበርቲ ሕጊ ኚኣ ኣንጻር'ቲ ገበናዊ ተግባር ፈጺምካ ተባሂሉ ዝተኾሰሰ ኮተ቎ ጉዳይ ዚቕርቡ።

ናይ በደል ጹንፈር ናይ ቀት ጜሕፈት ኣኜባር ሕጊ ዞባ፡

2500 Fairmont Drive, 3rd Floor, San Leandro, California 94578 ቮለፎን: (510) 667-4470።

ነቲ ኮተ቎ን ስድሩኡን/ኣን መን ይውክሎም፧

እቲ ኮተ቎ን ወለድን ኚኣ ብጠበቓ ክውኹሉ መሰል ኣለዎም። እቲ ትሕቲ ዕድመ ወይ ኮተ቎ ኚኣ ጠበቓ ክቖጜሩ ዓቕሚ እንተዘይብሎም ድማ፡ ቀት ፍርዲ ሓደ ክምዝዝ እዩ። ኣብ Alameda ካውንቲ፡ ቀት ጜሕፈት ጥብቅና ህዝቢ ኚኣ ንትሕቲ ዕድመ ንምውካል እዮም ዝምዘዙ። እቲ ቀት ጜሕፈት ጥብቅና ህዝቢ ኚኣ ብምኜንያት ግጭት ናይ ሚብሓ ነቲ ኮተ቎ ክውክል ዘይክእል እንተኟይኑ፡ (ንኣብነት፡ ኣብ ሓደ ፍጻሜ ልዕሊ ሓደ ትሕቲ ዕድመ ብገበን ይኜሰስ እንተሎ)፡ ናይ ግሊ ጠበቓ ክምዘዝ እዩ። ኣብ ዝኟነ ግዜ ኚኣ ቀት ፍርዲ ናይ'ቲ ኮተ቎ ወላዲ እንተድኣ ናይ ጠበቓ ክኾፍል ይኜእል እዩ ኢሉ ወሲኑ ኮይኑ፡ ቀት ፍርዲ ኚኣ ወለዲ ናይ ጠበቓ ክፍሊት ክኾፍሉ ክእዝዝ ይኜእል እዩ። ናይ ትሕቲ ዕድመ በደል ጹንፈር ናይ ቀት ጜሕፈት ጥብቅና ህዝቢ ኚኣ ኣብ ማእኚል ፍትሒ ትሕቲ ዕድመ ኣብ 2500 Fairmont Drive, San Leandro 94578 እዩ ዝርኚብ።

ተርጎምቲ ኾ  ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ ናይ በደል ቀት ፍርዲ ይርኚቡ ዶ፧

ቀት ፍርዲ ድማ ነቶም ቋንቋ ኢንግሊሜ ዘይዛሚቡ ወይ ድማ ናይ ምስማዕ ጾገም ዘለዎም ኮተ቎ ብሕጊ ተርጓማይ ኹቕርበሎም ይግደድ እዩ። ቀት ፍርዲ ድማ ብዝተኻእለ መጠን ተርጓማይ ዚድሊ እንተኟይኑ ክፈልጥ ይደሊ እዩ።

ናይ ትሕቲ ዕድመ ናይ ኣመክሮ ሞኮንናት ኹ እንታይ  እጃም እዮም ዝጻወቱ፧

ናይ ትሕቲ ዕድመ ናይ ኣመክሮ ሰብ-መዚ ኚኣ ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ በደል ቀት ፍርዲ ብዙሕ ተራ ይጻወቱ እዮም። ናይ ሕጊ ፈጞምቲ ሰብ መዚ ድማ ንሓደ ትሕቲ ዕድመ ናብ መእለዪ ምስ ወሰድዎ፡ ናይ ኣመክሮ በዓል መዚ ድማ እቲ ትሕቲ ዕድመ ክልቀቕ ኣለዎ እንተኟይኑ ውሳነ ይህብ። ብመሰሚት ጞብጻብ ናይ ፖሊስ ወይ ብናይ ገበን ጞብጻብ፡ ናይ ኣመክሮ በዓል-መዚ ኚኣ እቲ ኜስታት ናይ ገበን (ጥርዓን ዝብሃል) ኣብ ቀት ፍርዲ ክኣቱ ኣለዎ እንተኟይኑ ለበዋ ይህብ።

ናይ ኣመክሮ በዓል-መዚ ድማ ነቲ ቀት ፍርዲ ብዛዕባ ጉዳይ ኚምቲ እቲ ቀት ፍርዲ ዝደልዮ ሓበሬታ ንምሃብ ኣብ ኩሎም መጋባእያታት ይህሉ። እቲ ትሕቲ ዕድመ ገበን ኹም ዝገበሹ እንተተሚኺቡ ድማ፡ ናይ ኣመክሮ በዓል-መዚ ናይ ማሕበራዊ መጜናዕቲ ናይቲ ኮተ቎ ኚዳሉ ኣለዎ፡ እዚ ድማ እንኚላይ ለበዋታት ናይ ክንክን፡ ሕክምናን ምርሒትን እቲ ኮተ቎ እዩ።

ናይ ኣመክሮ በዓል-መዚ ኚኣ ንኩሎም ኣብ ኣመክሮ ዝኣተዉ ትሕቲ ዕድመ ይኚታተል፡ እዚ ኚኣ ሓዲኡ ኣብ ገዛ ወይ ኣብ ናይ ጉጅለ ገዛ፡ ኣብ ካልእ ናይ መንበሪ መሳለጥያ እዩ። ናይ ኣመክሮ ክፍሊ ኚኣ ን ኩሉ ናይ ኚባቢ ናይ ቀት ማእሰርቲ መሳለጥያታት ናይ ትሕቲ ዕድመ ዚካይድን ዚመሓድርን። ኹም ኣካል ናይ'ዚ ሓላፍነት፡ ናይ Alameda ካውንቲ ናይ ትሕቲ ዕድመ ናይ ኣመክሮ ክፍሊ ኚኣ ብዙሕ መደባት ናይ ክንክን፡ ሕክምናን መሪሕነት ናይ ኣብ ትሕቲኊም ዘለው ኮ቎቎ ኣማዕቢሎም እዮም።

ናይ ትሕቲ ዕድመ ናይ ኣመክሮ ክፍሊ ኚኣ ኣብ Juvenile Hall፡ 2500 Fairmont Drive ኣብ San Leandro እዩ ዝርኚብ። ናይ ትሕቲ ዕድመ ናይ ኣመክሮ ክፍሊ ሓፈሻዊ ቁጜሪ ቮለፎን ኚኣ (510) 667-4970 እዩ። ኣብዚ ድማ ተወሳኺ ሓበሬታ ናይ ስም ሓላፊ ኣመክሮ እዚ ድማ ንሓደ ትሕቲ ዕድመ ንምክትታል ዝተመዘዘ ሰብ ክትሚክብ ትኜእል።  ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ Alameda ካውንቲ ኣመክሮ ድማ ብኜብሚትካ  ኣብ'ዚ ጠውቕ።

ናይ Alameda ካውንቲ ክፍሊ ኣመክሮ

ወለዲ ወይ ኣለይቲ ኾ ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ ናይ በደል ቀት ፍርዲ መጋባእያ ይሳተፉ ዶ፧

ወለዲ ወይ ሞግዚታት ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ ናይ በደል ቀት ፍርዲ መጋባእያ ክሳተፉ ይድለ እዩ። እዚ ቀት ፍርዲ ኚኣ ወለድን ሞግዚታትን ኹም ዝሳተፉ ንምርግጋጜ ግቡእ መገዲ ክጥቀም ይኜእል እዩ። ኮይኑ ግን፡ እንተድኣ ዳኛ ወለዲ/ሞግዚታት ኹይህልዉ ናይቲ ትሕቲ ዕድመ ዝሓሾ ሚብሓ እዩ ኢሉ እንተኣሚኑኡ ወይ ክብድ ዝበለ ጾገም ንወለዲ ወይ ሞግዚታት ክህሉ እዩ ኢሉ እንተኣሚኑ፡ እሞ ምስ ቀት ፍርዲ እንተድኣ ተዘትይሉ፡ ካብ ገለ ወይ ኩሉ መጋባእያታት ናይ ቀት ፍርዲ ካብ ምስታፍ ሕድገት ክግበሹሎም ይኜእል እዩ።

ህዝቢ ኾ ናብ ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ ናይ በደል ቀት ፍርዲ መጋባእያን ናብ ናይ ትሕቲ ዕድመ መዛግብቲ ክርኢ ይኜእል ዶ፧

ብሓፈሻ፡ ህዝቢ ካብ ናይ ትሕቲ ዕድመ መጋባእያ ይወጜእ እዩ። ኮይኑ ግን፡ ቀት ፍርዲ ፍሉይነታት ክገብር ይኜእል እዩ፡ እዚ ድማ እንተድኣ እቶም ወገናት ኣብቲ ፍሉይ ጉዳይ ቀጥታዊን ምኹንይን ኣገዳስነት ኣለዎም ኮይኑ እዩ። እንተድኣ እቲ ትሕቲ ዕድመ ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ ቀት ፍርዲ በደል ገለ ኚቢድ በደል ዘለዎ ገበንተኞሲሱ ኮይኑ ህዝቢ ኣብ መጋባእያ ክፍቀደሉ ይኻል እዩ። ብኜብሚትኩም ንዝያዳ ንጹር ሓበሬታ ኣብ WIC 707(b) ተመልኚቱ።

ዋላ'ኳ ሕጊ ኣብ'ዚ ab ላዕሊ ዘሎ ኣጋጣሚ ናይ ህዝቢ ምእታው ዘይፈቅድ እንተኟነ እቲ ትሕቲ ዕድመ ናይ ህዝቢ ምውጻእ ክሓትት ይኜእልን ኚምኡ ድማ እዚ ምፍቃድ ድማ ነቲ ትሕቲ ዕድመ ርትዓውን ዘይወገናውን መጋባእያ ካብ ምርካብ ርትዓዊ ዝኟነ ዝመስል ክዓግቶ ይኜእል ድዩ ኢሉ ክጾቕጠሉ ይኜእል እዩ። ሓደ ግዳይ ድማ ምውጻእ ናይ ህዝቢ ክሓትት ይኜእል እዩ፡ ኚምኡ ድማ ንሱ/ንሳ ቃል ክህብ ኚሎ፡ ብፍላይ ድማ እቲ ሰብ ግዳይ ናይ ጟታዊ ዓመጜ እንተኔሩን ትሕቲ 16 ዓመት እንተኔሩን ክጾቕጠሉ ይኜእል እዩ። ብካልእ ወገን ድማ፡ ሓደ ምስክር ድማ ኣብ ግዜ ቃል ምሃብ ማለት ክምስክር ኹሎ ግለ ሰባት ድማ ደገፍ ክህቡ ናብ መጋባእያ ክኣትው ክሓትት ይኜእል እዩ።

እቲ ሕጊ ናይ ምፍቃድ ናብ ናይ ትሕቲ ዕድመ ቀት ፍርዲ መዛግብቲ ኚኣ ንገለ ሰነዳት ክርእዩ መሰል ዘለዎም ሰባት ብጜኑዕ ይዝርዝር። ካልኊት ኣብቲ ዝርዝር ብንጹር ዘይተጠቕሱ ሰባት ኚኣ ነቲ መዛግብቲ ክርእዩ ክሓቱ ይኜእሉ እዮም፡ ኮይኑ ግን ሓደ ሕቶ ድማ ሚብሓ ናይ ህዝቢ ነቲ ኣብ ትሕቲ ዕድመ፡ ግዳያት፡ መሰካክር ወይ ነቲ ህዝቢ ብጠቕላላ ዝወሹደ ሃስያ ኹም ዝዓብዮ ኚርኢ ኣለዎ። ንገለ ኚበድቲ ናይ በደል ገበናት፡ ፖሊስ ኚኣ ናይ'ቲ ትሕቲ ዕድመ ስም ክገልጹ ይኜእሉ እዮም፡ እዚ ድማ እቲ ትሕቲ ዕድመ 14 ወይ ልዕሊኡ እንተኟይኑ እዩ።

እዚ ክፋል ድማ ብዛዕባ'ዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ኣለዎ፡

  • ሓደ ትሕቲ ዕድመ ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ በደል ቀት ፍርዲ ኹመይ ይጓዓዝ
  • ዝተፈላለዩ ጉዳያት
  • ኣብ ክንክን፡ ሕክምናን ምርሒትን ናይ ትሕቲ ዕድመ እንታይ ትሕዞ እዩ ኣብ ቀት ፍርዲ ዘሎ
  • ብኞመይ እዩ እቲ ቀት ፍርዲ ቀይዲ በተኜ ናይ ትሕቲ ዕድመ ካብቲ ቀት ፍርዲ ገበን ናይ እኹላት ሰባት ዝፍለ፧
  • ትሕቲ ዕድመ ኹም ዓቢ ዝርኣዚሉ ኣጋጣሚ

1. ናይ ትሕቲ ዕድመ ናይ በደል ጉዳይ ብመገዲ ናይ ፍትሒ ስርዓት ኹመይ ኢሉ ይኞይድ፧

ኣብ ታሕቲ ኚኣ ኣካይዳ ስእሊ ናይ ትሕቲ ዕድመ ኹመይ ኢሉ ብመገዲ ስርዓተ በደል ይቕጜል ዝብል ኣሎ። ዝተፈላለዹ ናይ ውሳኔ ነጥብታትን ኣማራጺታትን ድማ ኣብዞም ነጥብታት ክትርእዩ ኢኹም። 

2. ኹመይ ኢሉ እዩ ናይ ትሕቲ ዕድመ ናይ በደል ጉዳይ ዝጅምር፧

ሓደ በዓል-መዚ ፖሊስ ምስ ሓደ ገበን ፈጜሙ/ማ ኢሉ ዝኣመነሉ ትሕቲ ዕድመ ክራኞብ ኚሎ፡ እቲ በዓል መዚ ድማ ኹመይ ጌርካ ነቲ ትሕቲ ዕድመ ትሕዞ፡ እዚ ድማ እቲ በዓል መዚ ንዝሓሾ ሚብሓ እቲ ትሕቲ ዕድመን ኮምን እዩ ኢሉ ዝሓሰቩ ብምምርኳስ ዝተፈላለዹ ኣማራጺታት ኣለዎ።

  • ሹዑ ንሜዑ ኣብቲ ቊታ፡ ኣብቲ ኑቑጣ ወይ ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ ዝኣትዉሉ ኣዳራሜ ናይ ኣሃዱ ገኒሕካ ምልቃቕ
  • ነቲ ትሕቲ ዕድመ ናብ ናይ ኮም መደብ ወይ ኚኣ ኣብ ናይ ቆልዑ መጜለሊ ናይ ዝተወጜዑን ዝተገለሉን ውሰዶ
  • ጥቕሲ ጜሓፍ እሞ ካብኡኚኣ እቲ ትሕቲ ዕድመ ወይ ወለዱ/ዳ ድማ ነቲ ኣብ ቅድሚ ሓላፊ ናይ ኣመክሮ ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ ኣዳራሜ ንክቐርቡ ቃል መብጻዓ ኣፈርሞም።
  • ነቲ ትሕቲ ዕድመ ናብ'ቲ ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ ዝኣትዉሉ ኣዳራሜ ናይ ኣሃዱ ውሰዶ

3. ምእታውን መርመራን

 እቲ ትሕቲ ዕድመ ናብ ናይ ትሕቲ ዕድመ ዝኣትዉሉ ኣዳራሜ ናይ ኣሃዱ እንተተወሲዱ ድማ፡ እቲ ዝተመዘዘ ናይ ኣመክሮ ሓላፊ ኚኣ ነቲ ናይ ትሕቲ ዕድመ ርክብ ምስቲ ሓላፊ ኚቢብዎ ዘሎ ኩነታትን ጭብጥታትን ክምርምሮ ኣለዎ። ብዘይካ ኣብ እዋን ግድነታዊ ምልኣኜ ንምእታው ወግዓዊ ክስታት፡ እቲ በዓል መዚ ናይ ኣመክሮ ኚኣ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ'ቲ ትሕቲ ዕድመ እንታይ ስጉምቲ ይወስድ ዝተፈላለዹ ኣማራጺታት ኣለዎ። እቲ በዓል መዚ ናይ ኣመክሮ ኚኣ፡

  • ነቲ ጉዳይ ምስ ኣተወ ኚደቅሶ--ክለቅቕን ክገንሕን እንተድኣ እቲ በዓል መዚ ናይ ኣመክሮ ብዘይካ ነቲ ትሕቲ ዕድመ ምግናሕ ወይ ድማ ነቲ ትሕቲ ዕድመ ናብ ካልኊት ትካላትን መደባትን ናይ ኮም ምእታው ካልእ ስጉምቲ ኚይወስድ እንተድኣ ወሲኑ፡ እቲ በዓል መዚ ብዛዕባ እቲ ፍጻሜን እቲ ትሕቲ ዕድመን ብዙሕ ሮቋሒታትን ኚምኡ ድማ እቲ ስርዓተ ናይ ትሕቲ ዕድመ ዝግበር በደል እቲ ግቡእ መፍትሒ ናይ ትሕቲ ዕድመ ድዩ ኣብ ግምት እንተድኣ ዚእትዩን።
  • ነቲ ትሕቲ ዕድመ ኣብ ናይ ዘይወግዓኣዊ ምክትታል ዚእትዎ። ካልእ ኣማራጺ ኣብቲ መእተዊ ድማ ነቲ ትሕቲ ዕድመ ናብ ዘይወግዓዊ ኣመክሮ ምእታው እዩ። ኣብ እዋን ስምምዕ ምስ ትሕቲ ዕድመን ወለዱን/ወለዳን፡ ሓላፊ ናይ ኣመክሮ ኚኣ ኣብቲ ናይ ትሕቲ ዕድመ ንጥፈታት ኩነት ኚቐምጥ ይኜእል እዩ። እቶም ኩነታት ኚኣ ኹም ምስታፍ ኣብ ትምህርቲ፡ ኣብ ኮማዊ መደባት ምስታፍ እዚ ድማ ኣመለኻኜታ፡ ጠባይን ዝምድናታትን ንምምሕያሜ እዩ፡ ምድራት ማሕበራዊ ንጥፈታትን ምኜርን ኹጠቓልል ይኜእል እዩ። ዘይወግዓዊ ኣመክሮ ኚኣ ብሓፈሻ ን 6 ኣዋርሕ እዩ ዝኞይድ። እንተድኣ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ግዜ ድማ እቲ ትሕቲ ዕድመ ንኩሎም ጠለባት ብዓወት ፈጺምዎም ኮይኑ፡ እዚ ዘይወግዓዊ ኣመክሮ ደው ክብል እዩ። ኣብ'ዚ 6 ኣዋርሕ እዚ ትሕቲ ዕድመ እንተዘይተዓዊቱ ድማ፡ እቲ ሓላፊ ናይ ኣመክሮ ጥርዓን ኣብ ምእታው ንቕድሚት ክቕጜል እዩ።
  • ነቲ ጉዳይ ድማ ወግዓዊ ክስታት ናብ ምእታው ልኣኮ። እቲ ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ኚኣ ምቕጻል ምስ ምእታው ወግዓዊ ክስታት እዩ፡ እዚ ድማ ጥርዓን እዩ ዝብሃል። እቲ ጉዳይ ኚኣ ናብ ናይ ዞባ ቀት ጜሕፈት ኣኜባር ሕጊ እዩ ናብ ቀት ፍርዲ ጥርዓን ንምእታው ዝልኣኜ።

4. ስለምንታይ እዩ ትሕቲ ዕድመ ኣብ ማእኚል ናይ ትሕቲ ዕድመ ዝቕዚድ፧ 

ኣዚናይ ስጉምቲ ንምውሳድ እናተሓስበ፡ ሓላፊ ኣመክሮ ኚኣ ሓዲኡ ወይ ንምልቃቕ ትሕቲ ዕድመ ወይ ድማ ኣብቲ ማእኚል ትሕቲ ዕድመ ንምሓዙ/ዛ ውሳኔ ክገብር ኣለዎ። ሕጊ ኚኣ ነቲ ሓላፊ ኣመክሮ ቀጥታ ነቲ ትሕቲ ዕድመ ናብ ሕድሪ ናይ ወለዱ/ዳ፡ ሞግዚት ወይ ኚኣ ሓላፍነት ዝወስድ ዘመድ ክለቆ ይእዝዞ፡ እዚ ድማ ብዘይካ ንሓደ ወይ ዝያዳ ካብዞም ዝስዕቡ ምኜንያታት እዩ፡

  • እቲ ትሕቲ ዕድመ ንዑኡ ዛኣሊ ወይ ዝቆጻጞሩ ወለዲ፡ ሞግዚት ወይ ድማ ሓላፍነት ዝወስድ ዓቢ ሰብ እንተዘይብሉ
  • እቲ ትሕቲ ዕድመ ገዛ ወይ መኞዲ መጓዓዝያ እንተዘይብሉ
  • ናይ'ቲ ትሕቲ ዕድመ ገዛ ኚኣ ዘይብቑዕ እንተኟይኑ ኚምኡ ድማ እቲ ትሕቲ ዕድመ ናብ ምግላል ወይ ወጜዓ እንተተዳሪጉ
  • ቀጻሊ ሓላፍነት ኣገዳሲ እዩ ነቲ ትሕቲ ዕድመ ወይ ንካልእ ሰብ ወይ ንብሚት ንምክልኻል
  • እቲ ትሕቲ ዕድመ ክሃድም እዩ
  • እቲ ትሕቲ ዕድመ ትእዛዝ ናይ ትሕቲ ዕድመ ቀት ፍርዲ እንተጥሒሱ
  • እቲ ትሕቲ ዕድመ ንህዝቢ ኣካላዊ ሓደጋ ዝፈጥር እንተኟይኑ

ዋላ'ውን ኣብ እዋን እቲ ናይ ኣመክሮ ሓላፊ ድማ ነቲ ጉዳይ ናብ ኣኜባር ሕጊ ናይ ዞባ ክልእኮ እንተወሲኑ፡ እቲ ሓላፊ ገና ክለቆ ወይ ድማ ክቕይዶ ኣማራጺ ኣለዎ። እቲ ሓላፊ ኣመክሮ እንተድኣ ነቲ ትሕቲ ዕድመ ናብ ናይ ገዛ ምክትታል ክለቆ እንተወሲኑ፡ እቲ ትሕቲ ዕድመን ወለዱን፡ ሞግዚት ወይ ኚኣ ሓላፍነት ዝወስድ ዓቢ ሰብ ድማ ክቐርቡን ኚምኡ ድማ ዝኟነ ኩኡነት ናይ ምልቃቕ ክኜተሉን ናይ ጜሑፍ መብጜዓ ክፍርሙ ኣለዎም። እዞም ኩነታት ኚኣ ምስቶም ናይ ዘይወግዓዊ ምክትታል ተመሳሰልቲ እዮም፡ ኮይኑ ግን ዝያዳ ደሚትቲ ክኟኑ ይኜእሉ እዮም። ናይ ገዛ ናይ ምክትታል ስምምዕ ኚኣ ነቲ ሓላፊ ኣመክሮ ነቲ ናይ ትሕቲ ዕድመ ገዛን ዓራትን ክበጜሕ፡ ክፍትሜን ኚምኡ ድማ ንብሚት ኹም መርትዖ ክሕዝን ኚፍቅድ ይኜእል እዩ።

እንተድኣ ውሳኔ ናይ ዝዘይምልቃቕ ተዋሂቡ፡ እቲ ትሕቲ ዕድመ ልዕሊ 48 ሰዓታት ክትሓዝ ኣይክእልን እዩ፡ እዚ ኚኣ ነቲ ቀት ፍርዲ ኣብ መጋባእያ ዘይነበሹሉ መዓልትታት ብምውጻእ እዩ (ቀዳመ ሰንበትን በዓላትን)። ኮይኑ ግን፡ ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ በደል ቀት ፍርዲ ጥርዓን እንተድኣ ኣትዩ ወይ ድማ እንተድኣ ክስታት (መሚሚ) ኣብ ናይ ዓበይቲ ቀት ፍርዲ እንተድኣ ኣትዩ፡ ሓደ ትሕቲ ዕድመ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ክትሓዝ ይኜእል እዩ።

5. ናይ ትሕቲ ዕድመ ናይ በደል ጥርዓን ኹ እንታይ እዩ፧

ኚምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጞ፡ እንተድኣ እቲ ናይ ኣመክሮ ሓላፊ ክስታት ኣብ ልዕሊ ሓደ ትሕቲ ዕድመ ክኣቱ ወሲኑ፡ ናብ ቀት ጜሕፈት ኣኜባር ሕጊ ዞባ መን እዩ ወግዓዊ ክስታት ኚእቱ ለበዋ ክውሃብ እዩ። እቲ ጥርዓን ኚኣ ሰነድ ኮይኑ፡ ብሓፈሜኡ ኚኣ ንስም፡ ዕድመን ኣድራሻን ናይ ትሕቲ ዕድመ፡ ዝተጣሕሰ ክፍልታት ኣዋጅ፡ እቲ ክስታት ኚኣ ገበን ድዩ ንኡስ በደል፡ ኣስማትን ኣድራሻን ናይ ወለዲ ወይ ሞግዚት፡ ሓጺር ቃል ናይ ጭብጥታትን ኚምኡ ድማ እቲ ትሕቲ ዕድመ ኣብ መእለዪ ድዩ ዘሎ ወይስ ተለቒቑ እዩ ዝብል ይሕዝ።

እንተድኣ እቲ ትሕቲ ዕድመ ተቐይዱ ኮይኑ ጥርዓን ኚኣ ኣብ ውሜጢ 48 ሰዓታት ናይ'ቲ ቀይዲ ክኣትው እዩ።

6. ናይ ቀይዲ መጋባእያ እንታይ እዩ፧

መጋባእያ ናይ እንተድኣ ሓደ ትሕቲ ዕድመ ካብ ገዛ ክውሰድ ኣለዎ እንተኟይኑ ዝብል ጉዳይ ድማ ሓንሳብ እቲ ጥርዓን ምስ ኣተወ ክካዚድ ኣለዎ። ነቶም ድሮ ዝተቐዚዱ ትሕቲ ዕድመ እቲ መጋባእያ ኚኣ ድሕሪ እቲ ጥርዓን ምእታዉ ኣብ ዝቕጜል ናይ ቀት ፍርዲ መዓልቲ እዩ ዝስራዕ።

ቀት ፍርዲ ድማ ነቲ መጋባእያ ነቲ ትሕቲ ዕድመ ምኜንያት ናይ ስለምንታይ ንሱ/ንሳ ናብ ኣላዪ ኹም ዝኣተወ፡ ባህርን ውጺኢትን ጉዳያት ናይ ቀት ፍርዲ በደል ትሕቲ ዕድመ፡ መሰል ናይ ብጠበቓ ምውካል ብምሕባር ክጅምር ይኜእል እዩ። እቲ ትሕቲ ዕድመ ጠበቓ እንተድኣ ዘይብሉ ክይኑ፡ ቀት ፍርዲ ድማ እቲ ትሕቲ ዕድመ ጠበቓ ክቖጾር ይኜኣል ኣይኜኣል ጠበቓ ክቖጜር ይኜእል እዩ። እንተድኣ ወለዲ ድሓር ናይ ጠበቓ ገንዘብ ክኾፍሉ ኹም ዘለዎም እንተተወሲኑ፡ ወለዲ ድማ ነቲ ካውንቲ ናይ ጥብቅና ክኜሕሱ ክድለዩ ይኜእሉ እዮም።

እቲ ትሕቲ ዕድመ ኚኣ ምኜንያት ናይ ቀይዲ ክቃወም ብብዙሕ መገድታት መሰል ኣለዎ። እቲ ትሕቲ ዕድመ ድማ ነቶም ናይ ፈለማ ቀይዲ ንምድጋፍ መርትዖ ዘቕሚቡ ውልቀሰባትን ነቶም ኣብ እዋን ናይ ቀይዲ መጋባያ ሓበሬታ ዝሃቡ'ውን ክሓቶም ይኜእል እዩ። እቲ ትሕቲ ዕድመ ኚኣ ንደገፍቲ መሰኻክር ክጜውዖም ይኜእልን ኚምእ ድማ ናቱ/ናት ዝምልኚት ዘበለ መርትዖ ድማ ኚቕርብ ይኜእልን። ንዕላማ ናይ'ዚ መጋባእያታት ጥራይ ድማ፡ ቀት ፍርዲ ነቲ ክስታት ናይ'ዚ ጥርዓን ሓቂ እዩ ኢሉ ክወስዶ ይኜእል እዩ።

ቀት ፍርዲ ድማ ነቲ ትሕቲ ዕድመ ዝሰማማዕ ቀንዲ ቊታ ኣብ ግምት ኚእቱ ኣለዎ፡ እዚ ድማ እቲ ትሕቲ ዕድመ ሓዲኡ ወይ ኣብ ናይ ገዛ ምክትታል ወይ ድማ ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ ማእኚል እዩ ዝኣቱ። እንተድኣ ቀት ፍርዲ ነቲ ትሕቲ ዕድመ ካብ ገዛ ክኣልዮ ወሲኑ፡ እቲ ውሳነ ኣብዞም ዝስዕቡ መሰሚታት ክስሚት ኣለዎ፡

  • እቲ ትሕቲ ዕድመ ዝቐደመ ትእዛዝ ናይ ቀት ፍርዲ እንተጥሒሱ
  • እቲ ትሕቲ ዕድመ ካብ ናይ ቀይዲ ማእኚል ሃዲሙ
  • እቲ ትሕቲ ዕድመ እንተተለቒቑ ክሃድም እንተኟይኑ
  • እቲ ትሕቲ ዕድመ ምሕብሓብ ይደሊ ምኜንያቱ እቲ ናይ ገዛ ሃዋሁው ውሑስ ኣይኮነን፡ እቲ ትሕቲ ዕድመ ውሉፍ እንተኟይኑ ወይ ኣብ ሓደጋ ናይ ምውላፍ እንተሎ፡ እቲ ትሕቲ ዕድመ ብኣእምሩኡ ወይ ብኣካሉ እንተሰንኪሉን ኚምኡ ድማ ነቲ ዝተባህለ በደል ኚቢብዎ ዘሎ ኩነታት ንምእሳር ዘሚጉድ እንተኟይኑ።
  • ኣድላይነት ምክልኻል ንካልእ ሰብን ንብሚትን።
  • ትሕቲ ዕድመ ድማ ናቱ/ናታ ጠበቓ ካልኣይ መጋባእያ ክሓትት ይኜእል። እዚ ድማ ብዛዕባ ምኜንያት ቀይዲ ሓድሜ መርትዖ ክቐርብ ሕቶ እንተቐሪቡ እዚ ይፍቀድ እዩ።

7. መጋባእያ ናይ ሕጋዊ ስልጣን፧

ኣብ'ዚ ዝተባህለ ክስታት ድማ ኣብ ውሜጢ 15 መዓልታት ናይ ቀት ፍርዲ ናይ ቀይዲ መጋባእያ ኚኣ ክስራዕ ኣለዎ፡ እዚ ድማ እቲ ትሕቲ ዕድመ ተቐይዱ እንተኟይኑ ወይ ድማ እቲ ትሕቲ ዕድመ ተለቒቑ እንተ ኮይኑ ንሱ ድማ 30 ናይ ካላንደር መዓልቲ ድሕሪ ናይ ቀይዲ መጋባእያ፡ እዚ ኚኣ ነዚ ግዎታ ብምሕዳግ እቲ ግዜ እንተዘይተመጢጡ እዩ። መጋባእያ ክቕጜል ይኜእል እዩ፡ ኮይኑ ግን እቲ ንምቕጻል ዝሓትት ዘሎ ኣካል ኚኣ ንምቕጻል ጜቡቕ ምኜንያት ኚቕርብ ኣለዎ። ብሓፈሜኡ፡ ምቕጻል ኚኣ ኣይተባባዕን እዩ፡ እንተተፈቒዱ ድማ፡ እቲ ዝቕጜል ናይ መጋባያ መዓልቲ ኚኣ ኣብ ውሜጢ ሓጺር ግዜ እዩ ዝስራዕ። ውሳኔ ኣብ ምግባር ኚኣ እቲ ዳኛ ኣድላይነት ናይ'ቲ ትሕቲ ዕድመን ወለዱን ናቶም ሞነኜ እቲ ጉዳይ ንኚቕርቡ እኹል ግዜ ክህልዎም ክዳለው ኣብ ግምት ዚእትዎ።

ኣብ ምጅማር ናይ መጋባእያ ክሊ ስልጣን፡ ዳኛ ኚኣ ንትሕዝቶ ናይ ጥርዓን ኚንብቊ ይኜእልን ይገልጟምን ድማ። እንደገና ድማ እቲ ዳኛ ንባህሪ እቲ መጋባእያ፡ ስርዓታቱን ተኜእሎ ውጺኢታትን ኚገልጜ እዩ። ወለድን ሞግዚታትን ኚኣ ንምኜፋል ተመላስ ገንዘብን መቕጻዕትታት ኚኣ እቲ ትሕቲ ዕድመ ክኾፍል እንተተኣዚዙ ብሓላፍነት ክትሓዙ ይኜእሉ እዮም። ዳኛ ድማ ነቲ ትሕቲ ዕድመ ኚኣ ንሓቅነት እቲ ክስታት ይቕበሎ/ትቕበሎ እንተኟይኖም ክሕተቱ እዮም።

እቲ ትሕቲ ዕድመ ድማ ነቲ ዝተባህለ ክስታት ክቃወም ይኜእል እዩ። እዚ እንተኔሩ እቲ ውሳኔ፡ እቲ ትሕቲ ዕድመ ድማ ነቲ ክስታት መልሲ ኚእቶ ይኜእል እዩ፡ እዚ ድማ ንሓቅነት እቲ ክስታት ምቕባል እዩ ዝብሃል። ኹምዚ ኣብ ምግባር ድማ እቲ ዳኛ ኚኣ እቲ ትሕቲ ዕድመ ነቲ ክስታት ተቐቢልዎ እንተኟይኑ ነቲ ባህሪ እቲ ክስታትን ሳዕቀናቱን ብሙሉኡ ተሚዲእዎ ዶ ኣይተሚደኊን ክውስን ኣለዎ።

እቲ ትሕቲ ዕድመ ድማ ነቲ ክስታት እንተዘይተቐቢልዎ፡ እቲ ትሕቲ ዕድመ ናብቲ ብኣኜባር ሕጊ ዞባ ዝቐሹበ መርትዖታት ዝኣተወ ጭብጥታት ክቃወሞ ይኜእል እዩ። ኚምቲ ኣብ ናይ ቀይዲ መጋባእያ፡ ኣኜባር ሕጊ ዞባ ኚኣ ንጉዳዩ/ያ ዝድግፍ መርትዖ ኚቕርብ እዩ ኚምኡ ድማ እቲ ትሕቲ ዕድመ ድማ ብመገዲ ጠበቕኡ/ኣ ነቶም መሰኻክር መስቀላዊ ሕቶታት ኚቕርብ፡ ናቱ/ታ መሰኻክርን መርትዖን ኚቕርብን ኚምኡ ድማ ነቲ ጉዳይ ኣብ ቀት ፍርዲ ክማጎት ይኜእል። ኚምቲ ኣብ ናይ ዓበይቲ ቀት ፍርዲ፡ እቲ ትሕቲ ዕድመ ኚኣ ስቕ ናይ ምባል መሰል ኣለዎ።

እቲ ዳኛ ሓቅነት ናይቶም ኣብቲ ጥርዓን ዘለዉ ውንጀላታት ዝምልኚት ውሳኔ ክገብር እዩ። ነባሮ ቀት ፍርዲ ኣካል ናይቲ ስርዓተ ጉድለት ግቡእ ኣይኮኑን። እቶም ክስታት ሓቂ ኮይኖም እንተተሚኺቊም (ዝተሹጋገጾ)፡ ቀጺሉ እቲ ቀት ፍርዲ እቶም ግቡኣት ስጉምቲታት ነቲ ክንክን፡ፍወሳን ምኜርን ናይቲ ትሕቲ ዕድመ ንምውሳድ ንኜውስን ፍርዲ ኚዳሉ እዩ። እቲ ዳኛ እቲ ክስታት ሓቂ ኚምዘይኮነ እንተኣሚጋጊጹ፡ እቲ ጥርዓን ዝተሰሹዘ ይኞውን።

 8. እቲ ፈጻሚ ፍርዲ እንታይ እዩ፧

እዚ ፍርዲ እቲ ክስታት ዝተሹጋገጾ እንተኟይኑ ይምደብ። ኚምኡ’ውን ብቅጜበት ክተሓዝ ይኚኣል። ወይ እቲ ፍርዲ እቲ ትሕቲ ዕድመ እንተተኣሲሩ ን 10 መዓልታት ወይ 30 መዓልታት ካብቲ ምምልካት እቲ ጥርዓን ይምደብ ብስምምዕ እንተዘይተናዊሑ።

ኣብቲ ፍርዲ ፍጻሜ፡እቲ ዳኛ እቲ ግቡእ ፍጻሜ ወይ ስጉምቲ ንክንክን፡ ፍወሳ፡ ምኜሪን መቅጻዕቲን ዘጠቓለለ ኣብቲ ትሕቲ ዕድመ ክውሰድ ዝግበኩ እንታይ ምኳኑ ክውስን እዩ። ቅድሚ ፍርዲ እቲ በዓል መዚ ኣመክሮ ማሕበራዊ መጜናዕቲ ናይቲ ኮተ቎ ናብቲ ቀት ፍርዲ ኚዳሉ ይጥለብ። እዚ ማሕበራዊ መጜናዕቲ ዝኟነ ሓበሬታ ምስቲ ምፍጻም ናይቲ ጉዳይ ዝሰማማዕ፡ታሪኜ ስድራቀት ወይ ቀት ትምህርቲ፡ ሕሉፍ ገበናዊ ታሪኜ፡ ወግዓዊ መግለጺ ካብቲ ግዳይን ምስኜርነታትን ኹጠቓልል እዩ። እዚ ማሕበራዊ መጜናዕቲ ንኩሎም ተሳተፍቲ ሰባት ቅድሚ እቲ ፍርዲ ፍጻሜ ድልው ኮይኑ ክርኚብ ይግባእ።

ኣብቲ ፍርዲ፡ ንግቡእ ፍጻሜ ብዝምልኚት መርትዖ ክቐርብ እዩ። እቲ ማሕበራዊ መጜናዕቲን ካልእ ዝኟነ ምስዚ ጉዳይ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ በቲ ዞባዊ ኣኜብር ሕጊ ወይ እቲ ትሕቲ ዕድመ በቲ ናቱ/ናታ ጠበቓ ነቲ ዳኛ ኣብ ምግባር ግቡእ ወሳኔ ንክሕግዝዎ ይወሃብ። እቲ ግዳይ ብተወሳኺ ጜሑፋዊ ወይ ናይ ቃል ወግዓዊ መግለጺ ኣብቲ ፍርዲ ኚቕርብ ይኜእል እዩ።

ኣብ ምውሳን እቲ ዝውስድ ስጉምቲ፡ እቲ ዳኛ ኣብ ግምት ኚእትዎ ይግባእ።

  • ድሕነትን ውሕስነትን ናይቲ ኮም
  •  እቲ ኣገዳስነት ምእራም በደላት ኣብቲ ግዳይ
  • እቲ ዝበለጾ ጥቕሚ ናይቲ ትሕቲ ዕድመ

እቲ ኩሉ መርትዖታትን ሓበሬታን ኣብ ዝቐርበሉ እዋን፡ እቲ ቀት ፍርዲ ክመርጟ ዝኜእል፡

  • ነቲ ርኜበታት ናይቲ ፍርዲ ሕጋዊ ስልጣን ንጎኒ ዝገድፎን ነቲ ጉዳይ ዝስርዞን፡እቲ ዳኛ እቲ ጥቕሚ ናይቲ ፍትሒን እቲ ድሕነት ናይቲ ትሕቲ ዕድመን ምስራዝ ዝጠልብ ኮይኑ እንተሚኺብዎ ወይ እቲ ትሕቲ ዕድመ ፍወሳ ወይ ተሓድሶን ዘዚድልዮ ኮይኑ እንተሚኺብዎ
  • ነቲ ትሕቲ ዕድመ ን 6 ኣዋርሕ ኣብ ዘይወግዓዊ ቁጜጜር በቲ ክፍሊ ኣመክሮ ዚጜንሖ።
  • ነቲ ትሕቲ ዕድመ ኣብቲ ቀት ፍርዲ ኣልያ ይግበሚሉ፣ እቲ ቀት ፍርዲ ነቶም ወለዲ ኹም ውሳኔ-ገበርቲ ነቲ ክንክን፡ ፍወሳን ምኜርን ናይቲ ትሕቲ ዕድመ ፍቓድ ክህብ ዝኜእል። ኣብዚ ኩነት፣እቲ ዳኛ ምሉእ ቊጜጜር ናይቲ ትሕቲ ዕድመ ክወስድ ይኜእል ወይ ነቲ መጠን ቊጜጜር ናይቲ ወላዲ ወይ መጉዚ/መጉዚት ኣብ ልዕሊ እቲ ትሕቲ ዕድመ ይድርቶ።

እቲ ትሕቲ ዕድመ ተናባዪ ናይቲ ቀት ፍርዲ እንተኟይኑ፡ እቲ ዳኛ እዞም ዝስዕቡ ኣማራጺታት ኹም መፈጾሚ ናይቲ ጉዳይ ክገብር ይኜእል። (ብመስርዕ ናይቲ ዕቱብነት ተዘርዚሩ ኣሎ)፥

  • ነቲ ትሕቲ ዕድመ ኣብ ኣመክሮ ብዘይ ቊጜጜር ናይቲ በዓል መዚ ኣመክሮ ዚጜንሖ
  •  ነቲ ትሕቲ ዕድመ ናብ ገዛ ኣብ ኣመክሮ ብቊጜጜር ይሰዶ
  • ነቲ ትሕቲ ዕድመ ኣብ ኣመክሮ ብቊጜጜር ኣብ ገዛ ኣዝማድ ዚጜንሖ
  • ነቲ ትሕቲ ዕድመ ኣብ ክንክን ናባዪ፡ሊ቞ንሳ ዘለዎ ናይ ጉጅለ ገዛ ወይ ብሕታዊ ትካል ዚጜንሖ
  •  ነቲ ትሕቲ ዕድመ ናብ ውሜጣዊ ቊታ ተሃድሶ: ሕርሻ ኚብቲ ወይ ግዝኣት መዓለሚ ሓይሊ ባሕሪ ይሰዶ፡
  • ነቲ ትሕቲ ዕድመ ናብቲ ካሊፎርኒያ በዓል መዚ መንእሰያት ይስደዶ

እቲ ትሕቲ ዕድመ ካብቲ ገዛ ወጺኡን ናብ ገዛ ዘመድ፡ክንክን ናባዪ፡ ናይ ጉጅለ ገዛ እንተተቐሚጡ፣ እቲ ምደባ ኹም መቕጻዕቲ እንተዘይተቖጺሩ ኚምኡ’ውን እቲ መደብ ናይቲ ጉዳይ ንመጻኢ እንተማዕቢሉ ናይቲ ትሕቲ ዕድመ ስሩዕ መርመራታት ናይቲ ምደባ ይጥለቡ። እቲ ትሕቲ ዕድመ ኣብ ውሑስ ቊታ እንተተቐሚጡ፡እቲ ዳኛ ነቲ ዝለዓለ ግዜ ናይቲ ማእሰርቲ ክሕብር ይግባእ። እቲ ዳኛ ነቲ ትሕቲ ዕድመ ናብቲ ካሊፎርኒያ በዓል መዚ መንእሰያት እንተሰዲድዎ፡ እቲ ዳኛ ነቲ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ኩነታት ናይቲ ትሕቲ ዕድመ ካብቲ ትምህርታዊ ስነ-ስርዓት መኣሚምያ ወይ ካልእ መደባት እቲ በዓል መዚ መንእሰያት ዝህቩ ክሚብሕ ወሲኑ ኣሎ።

እቲ ትሕቲ ዕድመ ኣብ ኣመክሮ እንተተቐሚጡ፣እቲ ዳኛ ገለ ግዜታትን ኩነታትን ኣብቲ ትሕቲ ዕድመ ክምድብ ይኜእል እዩ። እዚ ኩነታት ቀያዲ ክኾውን ይኜእል እዩ። ኚምኡ’ውን እቲ ትሕቲ ዕድመ ገለ ቅዋማዊ መሰላት ኚቋርጜ ይጥለብ፡ ንሳቶም ምኜንያታውን ኣቕሚቊትን ነቲ ድሌታት እቲ ትሕቲ ዕድመ ዚማልኡ። እቲ ትሕቲ ዕድመ ነዚ ዝስዕብ ክእዘዝ ይኜእል፡

  • ብዘይ ምኜንያታዊ ብኩራት ቀት ትምህርቲ ይሳተፍ
  • ኣብ ምምኻር ምስ ናቱ/ናታ ወለዲ ወይ መጒዚ/መጒዚት ይሳተፍ
  • ሰዓት እቶእቶ ይሕሉ
  • በቶም ኩሎም ሕግታት ይምእዘዝ
  • ንመርመራ ሓሜሜን ኣልኮልን ፍቓደኛ ይኾውን
  • ኮማዊ ኣገልግሎት ዚሰላስል
  • ብዘይ ክፍሊት ኣብ ናይ ስራሕ መደባት ይሳተፍ
  • ነቶም ንሱ/ንሳ ክትሚኜቊም ዝ/እትኜእል ሰባት ይ/ትድርቶም
  • ናይ ምዝዋር ሓለፋታት ይድሚት ወይ ይውንዘፍ
  • ካሕሳ ነቲ ግዳይ ይኜፈል ወይ ዕዳ ይኜፍል
  • ንፍተሻ ብዘይ ስልጣን ፍቓደኛ ኩን

ኣብዚ ኣብነት እቲ ትሕቲ ዕድመ ነቲ ካሕሳ ወይ ዕዳ ክኾፍል ኣብ ዝእዘዘሉ እዋን፡ እቲ ሓባራዊ ወይ በይኑ ሕጋዊን ኣካላውን ናብዮት ኚምኡ’ውን ቊጜጜር ናይቲ ትሕቲ ዕድመ ዝተኻፈለ ሰብ ነቲ መጠን ካሕሳ ወይ ዕዳ ሓላፍነታዊ ንሙኳን ድፍሚት ይሚኜብ።

9. ድሕሪ እቲ ፈጻሚ ፍርዲ እንታይ ኚጋጥም ይኜእል፧

ብዙሓት ካልኊት ሕጋውያን ኣገባባት እቲ ትሕቲ ዕድመ ድሕሪ እቲ መደምደምታ እቲ ጉዳይ ክምደቡ ይኜእሉ እዮም።

  • ይግባይነት: እቲ ትሕቲ ዕድመ በቲ ውጺኢት ናይቲ መስርሕ እንተዘይዓጊቡ ወይ እቲ ናቱ/ናታ መሰላት ዝተጋህሰ ኮይኑ እንተተሰሚዕዎ/ዋ፣ እቲ ትሕቲ ዕድመ በቲ ናቱ/ናታ ጠበቓ ናብቲ ናይ ይግባይ ቀት ፍርዲ ይግባይ ክብል ይ/ትኜእል እዩ/ያ፧ እቲ ትሕቲ ዕድመ ክቕጜል እንተደለዚ፡ እቲ ምልክታ ናይ ይግባይ ኣብ ውሜጢ 60 መዓልታት ናይቲ ዝተገብሚ ትእዛዝ ወይ እቲ ዕለተ ፈጻሚ ፍርዲ ክመልእ ይግባእ። እቲ ዞባዊ ኣኜባር ሕጊ ብተወሳኺ ነቲ ፍርዲ ኣብ ትሕቲ ፍሉይ ኩነት ይግባይ ክብል ይክእል እዩ።
  • ጠለብ ቀት ፍርዲ ትእዛዝ ንጎኒ ምግዳፍ: እቲ ትሕቲ ዕድመ ብተወሳኺ ነቲ ቀት ፍርዲ ኚማሓይሟ ወይ ንጎኒ ክገድፎ ትእዛዝ ክጠልብ ይኜእል እዩ። እቲ ጠለብ ኣብ ለውጢ እቲ ኩነታት ወይ ሓድሜ መርትዖ ዝተምርኮሰ ክኾውን ይግባእ።
  • ዝያዳ ቀያዲ ፍርዲ እቲ ትሕቲ ዕድመ በቲ ዝተኣዘዘ ፍርዲ ዕውት እንተዘይኮይኑ፣እቲ ኮተ቎ ናብቲ ቀት ፍርዲ ክምለስን ዝያዳ ቀያዲ ፍርዲ ክጥለብ ይኜእል። ሓፈሻዊ እዚ እቲ ትሕቲ ዕድመ ነቶም ግዜታትን ኩነታትን ናይቲ ኣመክሮ ኣብ ዘይክተለሉ እዋን እዩ ዝፍጞም።
  • ጠለብ ምዕጻው መዝገብ ቀት ፍርዲ ትሕቲ ዕድመ: እቲ ትሕቲ ዕድመ ነቲ ቀት ፍርዲ ነቲ ናቱ/ናታ መዝገብ ትሕቲ ዕድመ ክዕጟ ክ/ክትጠልብ ይ/ትኜእል እዩ/ያ። እቲ ጠለብ ድሕሪ ምሕላፍ 5 ዓመታት ናይቲ ጉዳይ ወይ ኣብ ዝኟነ ግዜ ድሕሪ እቲ ሰብ ዕድመ 18 ምብጜሑ ክግበር ይኜእል እዩ። ኣብ ትሕቲ ገለ ኩነት እቲ ትሕቲ ዕድመ ወይ እቲ በዓል መዚ ኣመክሮ ናብቲ መዛዘሚ መዛግብቲ ማእሰርቲ፡ ሰነድ እቲ ቀት ፍርዲ፡ መዝገብ ኣመክሮ፡ ተወሰኜቲ መዛግብቲ ናይ ዝኟነ ምስቲ ጉዳይ ዝትሓሓዝ መዛግብቲ ዘለዎ ካልእ ትካል ጥርዓን ኚቕርብ ይኜእል እዩ። እቲ ጠለብ ናብቲ ክፍሊ ኣመክሮ ክግበር ይግባእ። እቲ በዓል መዚ ኣመክሮ እቲ ሰብ ናብቲ ቀት ፍርዲ ክጠርዕ፡ ጥርዓን ኚዳሉን ክስንድን፡ነቲ ቀት ፍርዲ ጞብጻብ ኚዳሉ፡ ነቲ ጉዳይ ናብቲ ፍርዲ ክቕርብ ኚምኡ’ውን ነቲ ቀት ጜሕፈት ዞባዊ ኣኜባር ሕጊ ኚመልኜት ብቑዕ እንተኟይኑ ይውስን። እቲ ዳኛ ነቲ ጥርዓንን ነቲ ጞብጻብን ክምርምሮ እዩ። ቀጺሉ በቲ ጠለብ መሰሚት ኣብቶም ፍሉያት ሚቋሒታት፣ እቲ ዓይነት ክሲ ዘጠቓለለ፡ እቲ ትሕቲ ዕድመ ነቲ ፍርዲ ፈጺምዎ እንተኟይኑን ኣብ ትሃድሶ እንተጞኒሑን ኚምኡ’ውን ብመሰሚት እቲ ጉዳይ ዝኟነ ውሳኔ ዝጜበ ሲቭላዊ ምጒት እንተኣሎ ክፈርድ እዩ።

 10. ብኞመይ እቲ ቀት ፍርዲ ቀይዲበተኜ ትሕቲ ዕድመ ካብቲ ቀት ፍርዲ ገበን እኩላት ሰባት ይፍለ፧

ነቲ መስርሕ ኣብ ሚዛናዊ ኣጠማምታ ንምስራዕ፣ እዚ ዝስዕብ ሰንጠሹጅ እቲ ቀት ፍርዲ ቀይዲበተኜ ትሕቲ ዕድመ ብኞመይ ካብቲ ገበናዊ ቀት ፍርዲ እኹላት ሰባት ኹምዝፍለ ሓፈሻዊ መግለጺ ይህብ።

  ቀት ፍርዲ ገበነኛታት ቀት ፍርዲ ቀይዲበተኜ ትሕቲ ዕድመ
ዕላማ እቲ ሕጋዊ ኣገባባት ሓፈሻዊ ንውሳኔ ገበነኛነት ወይ ንጹህነት። ንመቕጻዕቲ እቲ ገበነኛ ኚምኡ’ውን ንውሕስነት ሕብሚተሰብ። ንውሳኔ ሓቅነት እቲ ክስታት ኣብቲ ጥርዓን። እቲ ትእዛዝ ንወግዓዊ ኣልያ እቲ ትሕቲ ዕድመ ናይቲ ገበን ፍርዲ ኣይኮነን። ንምዕቃብን ዕቀትን ድሕነት ናይቲ ትሕቲ ዕድመ። ንኣቕርቊት መቕጻዕትን ተሓታትነትን ምስ ጜኑዕ ተሃድሶ
እቲ ነቲ ሕጋዊ ኣገባባት ግዳይ ዝኟነ ሰብ ተኞሳሲ ትሕቲ ዕድመ
ነቲ ሕጋዊ ኣገባብ ዘበግስ ሰነድ ክሲ ጥርዓን
ቀዳማይ መጋባእያ ናብ ፍርዲ ምቕራብ (ነቲ ኣብ ናብዮት ዘሎ ወይ ዘዹለ ተኞሳሲ) መጋባእያ ተሃድሶ (ነቲ ኣብ ናብዮት ዘሎ ትሕቲ ዕድመ)፡ መጀመርያ ቀዳማይ መጋባእያ ነቶም ኣብ ናብዮት ዘዹለዉ
ዋሕስ ተፈጻምነት ክህልዎ ይኜእል ተፈጻምነት ዘይብሉ
ልዝብ ክርክር ክሱስ መብዛሕትኡ እዋን ዝግበር መብዛሕትኡ እዋን ዝግበር
ርኜበት-ሓቕታት ፍርዲ መጋባእያ ሕጋዊ ስልጣን
መሰል ናብ ነባሮ ቀት ፍርዲ እወ ኣብ ዝበዝሑ ኣብነታት ኣይፋል
መሰል ነቲ ዝተመዘዘ ናይ ሕጊ ኣማኻሪ እወ፡ ነቲ ድኻ ተኞሳሲ እወ፡ ነቲ ድኻ ትሕቲ ዕድመ ወይ ነቶም ወለዶም ምኜፋል ዝኣበዩ
ዳንነት ውሳኔ ገበነኛ ወይ ገበነኛ ዘይሙዃኑ ክሲ ተሚጋጊጹ እዩ ወይ ኣይተሚጋገጞን
ውጺኢት መቕጻዕቲ ፈጜሚ ናይቲ ጉዳይ
ማእሰርቲ ሒደት ጞጋታት ናብ መዓላ ተሃድሶ ዝምደብ ኣዝዩ ብዙሕ ጞጋታት ናብ መዓላ ተሃድሶ ዝምደብ
ዕዳ ናይቲ ኣብ ዘይውሑስ ወይ ቀት-ተሃድሶ ዝጾነሖ ግዜ እወ እወ

11. መዓስ እዮም እቶም ትሕቲ ዕድመ ኹም እኹላት ዝሕሰቡ፧

 እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ መስርሕ ሓፈሻዊ ብኞመይ እቶም ትሕቲ ዕድመ በቲ ቀት ፍርዲ ቀይዲበተኜ ኚምዝምዕብሉ ይነድፍ። እንተኟነ፡ ክልተ ኣገድስቲ ካብ ልሙድ ወጻኢ ነገራት ኣብ ብኞመይ እቲ ስርዓት ነቶም በቲ ገበን ዝተኞሰሱ ትሕቲ ዕድመ ኹምዝሕዞም ኣለዉ። ኣብ ክልቲኊም ኣብነታት፡ እቲ ትሕቲ ዕድመ በቲ ስርዓት ናይ ቀይዲበተኜ ኣይሓልፍን እዩ፡ እንተኟነ ኣብ ክንድኡ ናብ ቀት ፍርዲ እኹላት ሰባት እዩ ዝስደድ።

። ቀጥታዊ ምምልካት

ኣብ 2000፣ እቲ ሃገራዊ ኣሰራርዓ ሕጊ ኚምኡ’ውን ካሊፎርንያ መሚጜቲ እቲ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ናይቲ ስርዓት ኣብ ገለ ትሕቲ ዕድመ ተቐይሩ እዩ። ድሕሪ ምእታውን ምምማይን እቲ በዓል መዚ ኣመክሮ ነቲ ኩነታት ኣብ ኚባቢ እቲ በቲ ክስታት ዝትኞሰሰ ትሕቲ ዕድመ ይምርምር ኚምኡ’ውን ነቲ ጉዳይ ናብ ስነዳ ዚመሓላልፎ። እቲ ቀት ጜሕፈት ዞባዊ ኣኜባር ሕጊ ነቲ ክሲ ብቐጥታ ኣብ ገበናዊ ቀት ፍርዲ እኹላት ሰባት ኚመልክቶ ይኜእል።

እቶም ሚቋሒታት እቲ ኚሳሲ ኣኜባር ሕጊ ኣብዚ ውሳኔ ኣብ ግምት ኚእትወም ዝግባእ ምናልባት እቲ ትሕቲ ዕድመ፣

  1. ኣቐዲሙ ብወግዓዊ ኣፍልጊ ኣብ ናብዮት ቀት ፍርዲ ብምኜንያት ገበን (ናይ ቅትለት፡ ዓመጜ፡ ስርቂ ወዘተ) እንተጞኒሑ
  2. እቲ ገበን ዝፈጾመሉ እዋን ብውሑዱ ዕድመ 14 እንተኔሩ
  3. ሕሉፍ መዝገብ እንተኔርዎ፣ ኣብቲ እዋን ሓድሜ ጉዳይ ብውሕዱ ዕድመ 16 እንተኟነ ግን ትሕቲ ዕድመ 18 እንተኔሩ
  4. እቲ እዋናዊ ክሲ፣
  • ቀዳማይ ደሹጃ ቅትለት
  • ዝተፈተነ፡ ኣቐዲሙ ዝተወጠነ ቅትለት
  • እቲ መቕጻዕቱ ንሕልፈት ኣብ ማእሰርቲ ዝኟነ ግዱድ ምጭዋይ
  • ምስንባት ናይቲ ትሕቲ ዕድመ ብምቕታል ዝኟነሉ ገለ ኚበድቲ ገበናት (ናይ ቅትለት፡ዓመጜ፡ስርቂ፡ወዘተ)
  • ገለ ግዱድ ገበናት ጟታዊ ርኜብ

እቲ ጉዳይ ኣብ ቀት ፍርዲ እኹላት ሰባት እንተተመልኪቱ፡ እቲ ትሕቲ ዕድመ ግዳይ ናይቲ ኩሉ ሕጊ፡ ኣገባባትን መሰላትን ናይቲ እኹል ሰብ እዩ። እዚ ኚምቲ ነቲ መጠን ናይቲ እኹል ሰብ ሓደ ዓይነት ገበን ምስፈጞመ ዝቕበሎ ሳዕቀናት ዚጠቓልል። እንተኟነ፣ ኣብቲ መደምደምታ ናይቲ ጉዳይ፣ ኹምዚ ዓይነት ፍጻሚ ጉዳይ እቲ ዝበለጾ ግደ ሕጊ ዘቕርብ እንተኟይኑ ኚምኡ‘ውን ምቕጻዕ ናይቲ ትሕቲ ዕድመ ነቲ ኮም ኚውሕስ ዝኜእል እንተኟይኑ፣ እቲ ዳኛ ነቲ ትሕቲ ዕድመ ብፈጻሚ ፍርዲ ትሕቲ ዕድመ ይውስን።

። መጋባእያ ብቕዓት

ድሕሪ ፍርዲ ማእሰርቲን ቅድሚ መጋባእያ ሕጋዊ ስልጣንን፣ እቲ ዞባዊ ኣኜባር ሕጊ፣ እቲ ትሕቲ ዕድመ ብቑዕን ምሉእን ኣብቲ ቀት ፍርዲ ቀይዲበተኜ ክተሓዝ ዝኜእልን እንተኟይኑ ንክውስን መጋባእያ ክጠልብ ይኜእል። እቲ ጠለብ ነዚ ጉዳይ ብመሰሚት እቲ ክብደት እቲ ክሲን ዕድመ እቲ ትሕቲ ዕድመ ኣብቲ እዋን ገበን ኣተኩሮ ይህቊ።

እቲ በዓል መዚ ኣመክሮ መጜናዕቲ ክገብር ይግብኊ። ብተወሳኺ ነቲ ቀት ፍርዲ ኣብ ባህርያዊ ኣርኣያታት፡ ማሕበራዊ ታሪኜን ናይቲ ትሕቲ ዕድመ ኣብ ምውሳን እቲ ትሕቲ ዕድመ ነቲ ክንክን፡ ፍወሳ፡ ነቲ በቲ ስርዓት ቀይዲበተኜ ዝወሃብ መደባት ተገዳስነት ዘርኢ እንተኟይኑ ጞብጻብ ኚቕርብ ይግበኊ። እቲ በዓል መዚ ኣመክሮ ነቲ ርእይቶታት ጥዕና ናይቲ ትሕቲ ዕድመ ናብቲ ቀት ፍርዲ ብተወሳኺ ክውስኜ ይግበኊ። እዚ ጞብጻብ ብተውሳኺ ንኹሎም ኣብዚ ጉዳይ ዝተሳተፉ ኣካላት ኚርእዮም ይግባእ።

ኣብቲ መጋባእያ፡ እቲ ዳኛ ነቲ ጞብጻብ ናይቲ ኣመክሮ ኚምኡ’ውን ዝኟነ መርትዖ ወይ ሓበሬታ ብክልቲኊም እቶም ዞባዊ ኣኜባር ሕጊን ጠበቓ እቲ ትሕቲ ዕድመን ኣብ ግምት ኚእትዎ ይግባእ። እቲ ቀት ፍርዲ ቀጺሉ ብመሰሚት እቲ ትሕቲ ዕድመ ኣብቲ ክንክን፡ ፍወሳ፡ በቲ ስርዓት ቀት ፍርዲ ቀይዲበተኜ ዝወሃብ መደባት ተገዳስነት ዘርኢ እንተኟይኑ ውሳኔ ክገብር ይግበኊ። ኣብ ምግባር እዚ ውሳኔ እቲ ቀት ፍርዲ ነዞም ዝስዕቡ መለክዒታት ኣብ ግምት ኚእቱ ይግባእ፡

  • እቲ ዲግሪ ገበናዊ ምርቓቕ
  • እቲ ትሕቲ ዕድመ ቅድሚ እቲ መወዳእታ ናይቲ ሕጋዊ ስልጣን ቀት ፍርዲ ቀይዲበተኜ ክህደስ ዝኜእል እንተኟይኑ
  • እቲ ሕሉፍ ገበናዊ ታሪኜ ናይቲ ትሕቲ ዕድመ
  • እቲ ውጺኢት ናይቲ ሕሉፍ ፈተነታት ንተሃድሶ እቲ ትሕቲ ዕድመ
  • እቶም ኩነታትን እቲ ክብደት ናይቲ እዋናዊ ክስታት

እቲ ዳኛ ነቲ ትሕቲ ዕድመ ንቀት ፍርዲ ቀይዲበተኜ ብቑዕ ኮይኑ እንተሚኪብዎ፣ቀጺሉ እቲ መስርሕ ንቕድሚት ናብቲ ሕጋዊ ስልጣን መጋባእያ ይቕጜል። እቲ ዳኛ ነቲ ትሕቲ ዕድመ ኣብቲ ቀት ፍርዲ ቀይዲበተኜ ዘይብቑዕ ኮይኑ እንተሚኺብዎ፣ እቲ ዳኛ ነቲ ጥርዓን ክስርዞን ነቲ ትሕቲ ዕድመ ናብቲ ቀት ፍርዲ እኩላት ሰባት ዚሕልፎን። እቲ ዞባዊ ኣኜባር ሕጊ ነቲ መስርሕ ናይቲ ገበናዊ ቀት ፍርዲ እኩላት ሰባት ምስቲ ዝምላእ ጥርዓን ክጅምሮ እዩ። እቲ ትሕቲ ዕድመ ቀጺሉ ግዳይ ናይቲ ኩሉ ሕግታት፡ ኣገባባትን መሰላትን ናይቲ ገበናዊ ቀት ፍርዲ እኹላት ሰባት ይኞውን። እቲ ትሕቲ ዕድመ ብተወሳኺ ኚምቲ መቕጻዕቲ እቲ እኹል ንሓደ ዓይነት ገበን ዝቕበሎ፣ ክቕበል ይኜእል እዩ። ኣብ ገለ ኣብነታት፣ እቲ ትሕቲ ዕድመ ኣብቲ በዓል መዚ መንእሰያት ካሊፎርኒያ ነቲ መቕጻዕቲ ኚተግብር ብቑዕ ክኾውን ይኜእል እዩ።

። እቲ ትእዛዝ ካብቲ መጋባእያ ብቕዓት ደው ክብል ይኜእል’ዶ፧

እቲ በቲ መጋባእያ ብቕዓት ዝተገብሚ ትእዛዝ ይግባይ ክበሃሎ ኣይኜእልን እዩ። ንምቕባል ጞብጻብ ይግባይ፡ እቲ ኣካል ወሚቐት ትእዛዝ ነቲ መስርሕ ንቅድሚት ካብ ምቕጻል ደው ዘብል ክጠልብ ይግባእ። ነቲ መስርሕ ወሚቐት ትእዛዝ ንምጅማር፡ እቲ ትሕቲ ዕድመ ነቲ መመልኚቲ ንወሚቐት ትእዛዝ ካብ 20 መዓልታት ድሕሪ እቲ ናይቲ ትሕቲ ዕድመ ቀዳማይ ምቕራብ ኣብቲ ክሲ ዘይድንጒ ኚመልክት ይግባእ። እቲ ዞባዊ ኣኜባሪ ሕጊ ብተወሳኺ ነቲ ናይቲ ዳኛ ውሳኔ ”እቲ ትሕቲ ዕድመ ብቑዕ እዩ” ዝበሎ ንምብዳህ፣ ንወሚቐት ትእዛዝ ኚመልክት ይኜእል እዩ።

ኣነ ነቲ ነጻ ሕጋዊ ኣገልግሎት ብኞመይ ክሚኜቊ ወይ ክበቅዖ ይኜእል፧

ነጻ ሕጋዊ ኣገልግሎታት ን ብቑዓት ሰባት ካብቲ ሃገራዊ ኮርፖሚይሜን ሕጋዊ ኣገልግሎታት ክሚኜቡ ይኜእሉ (ንኣብነት፡ ሕጋዊ ሓገዝ ማሕበሚሰብ ኚምኡ’ውን ትካል-ሚዲኀት ሕጋዊ ኣገልግሎታት)። ብገበን ዝተኞሰሱን ጠበቓ ክገብሩ ግን ዓቕሚ ዘይብሎም ሰባት፣ ንነጻ ሓገዝ ካብቲ ቀት ጜሕፈት ህዝባዊ ተኞላኻሊ ክጠልቡ ወይ ኚመልክቱ ይኜእሉ እዮም። ንስኻ ብቑዕ እዚ ኢልካ ትሓስብ እንተኟንካ፡ንስኻ ኣብቲ ናትካ መጀመርያ ምቕራብ ቀት ፍርዲ ንውኚሳ ናብቲ ቀት ጜሕፈት ህዝባዊ ተኞላኻሊ ክትጠልብ ትኜእል ኢኻ። ንዝያዳ ሓበሬታ፡ ንስኻ ነቲ ቀት ጜሕፈት ህዝባዊ ተኞላኻሊ Alameda ካውንቲ ኣብ ፡ (510)670-5086 ኣብ South County ወይ (510) 268-7474 ኣብ North County።

ውሜጣዊ ሕጋዊ ሓገዝ መራኞቢታት

ካልኊት ጠቐምቲ መራኞቢታት 

  1. ፍርዳዊ ቀት ምኜሪ
  2. ካሊፎርኒያ ምምሕዳራዊ ቀት ጜሕፈት ናይቲ ቀት ፍርድታት- ዶግቡክ
  3. ካሊፎርኒያ ምምሕዳራዊ ቀት ጜሕፈት ናይቲ ቀት ፍርድታት፡ ማእኚል ን ስድራቀታት፡ቖልዑ ኚምኡ’ውን ቀት ፍርድታት
  4. ኣቕርቊት ሕጊ -ነጻ ሕጋዊ መጜናዕቲ ኣብ ምሉእ ሾፈነ እቲ ሕጋዊ ጉዳይ።
  5. Alameda ካውንቲ ቀት ጜሕፈት ትምህርቲ
  6. CASA (ቀት ፍርዲ ምውሳን ቆጞራ ፍሉይ ሕጋዊ ሞጎተ) ናይቲ Alameda ካውንቲ
  7. Alameda ካውንቲ ነጻ መደብ ሜላታት ምምባር

1. ሰፊሕ ወግዓዊ ሕግታትን ቅጥዕታት፡ፍርዳዊ ቀት ምኜሪ ካሊፎርኒያ

ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ፍርዳዊ ቀት ምኜሪ ካሊፎርኒያ ንስኻ ክትሚኜቊ እትኜእል:

2. ውሜጣዊ ሕግታትን ቅጥዕታት: ላዕለዋይ ቀት ፍርዶ ካሊፎርኒያ፡ Alameda ካውንቲ

Unless authorized by statue, persons must petition the court to inspect a Juvenile Record. The Juvenile Court limits access to juvenile court records in accordance with California Rule of Court 5.552, and Welfare and Institution Code section 827. Juvenile court records may not be obtained or inspected by civil or criminal subpoena. Therefore, no information can be released over the telephone because photo identification cannot be verified, and this would include acknowledging that a juvenile case matter or file is on record.

If you are not authorized by Welfare and Institutions Code sections 828 and California Rule of Court 5.552, you must Petition the Presiding Judge of the Juvenile Court for access to police reports.

The required forms are: Petition to Obtain Report of Law Enforcement Agency (JV-575) and Notice to Child and Parent/Guardian re: Release of Juvenile Police Records and Objection (JV-580).

Fill out form JV-575, Petition to Obtain Report of Law Enforcement Agency. Print legibly and complete all relevant fields of the form. Indicate the name of the police department from whom you are requesting the report and the report number. Describe in detail the reason why you believe the records exist, how you intend to use them and why the records are relevant to your intended purpose.

Submit the original and two copies of forms JV-575, and JV-580 to the court. You may do this in person at the Juvenile Court Clerk’s Office, 2500 Fairmont Drive, Suite 3013, San Leandro CA 94578 on the 3rd Floor of the Juvenile Justice Center. You may mail your request to the address mentioned herewith.

The court will contact you by mail or phone as to the status of your request within ten to twelve weeks. The court may either deny or grant your request or ask for additional information. In some cases, the court may set your request for a hearing. If your request is granted, you will receive a certified copy of the order in the mail with instructions. Take the order to the policy agency and a valid identification card with you to obtain your copy of the police report.

Was this helpful?

This question is for testing whether or not you are a human visitor and to prevent automated spam submissions.